ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኬኒያ ዝርከቡ ኣንቶኒ ብሊንከን ቅልውላዋት ናይቲ ዞባ ክሃድእ ይደልዩ


US Secretary of State Anthony Blinken in NY Press Conference
US Secretary of State Anthony Blinken in NY Press Conference

ናይ ኣሜሪካ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ብፖለቲካን ብነገድን ስምብራት ኣብ ዝወረዶም ማሕበረሰባት ዴሞክራሲ ንክዕቀብ ብምምሕፃን ናይ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪካ ዑደቶም ጀሚሮም።

ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ቅልውላው ኣብ ዝዓረገሉ እዋን ሎማዕንቲ ረቡዕ ዑደቶም ብኬኒያ ጀሚሮም ኣለው።ምስ ናይ ኬኒያ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬኒያታን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣንን ኣብ ዝተራኸብሉ ኬኒያ ኣብቲ ዞባ ኣብነታዊ ታራ ትፃወር ኣላ ኢሎም።

ንመራሕቲ ስቪክ ማሕበራት ኣብ ዝሃቡዎ ሪኢቶ ኣብ ዙሪያ ዓለም የጋጥም ዘሎ ''ውድቀት ዴሚክራሲ'' ምቅላስ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

ኣሜሪካ እውን ካብዚ ብድሆዚ ነፃ ኣይኮነትን ዝበሉ ብሊንከን ናይ ኣሜሪካ ዴሚክራሲ ማዕረ ክንደይ ድኹም ክኸው ከምዝኽእል ሪአ እየ ኢሎም።

ኬኒያ ንርእሳ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ብዝካየድ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ናይ ምርግጋእ ፈተና ይፅበያ ኣሎ።

ብሊንከን እናገደደ ይኸይድ ዘሎ ግጭት ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምፍታሕን ከም ኣብ ሶማሊያ ዝኣመሰላ እናዓበይ ይኸይድ ዘሎ ናዕብታት ንምግጣምን ናይ ኣሜሪካ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕርታት ንምሕዳስ ድልየቶም እዩ።

XS
SM
MD
LG