ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ናይ ኬንያ ዑደቶም ዛዚሞም: ናይጀርያ ኣትዮም


ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምምሕዳር ባይደን ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዎ ፖሊሲ ብዝምልከት ሎሚ ሓሙስ ኣብ ናይጀሪያ መደረ ከስምስዑ እዮም። ትማሊ ኣብ ናይሮቢ ምስ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬኒያታ ሓዊሱ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር ዘቲዮም ኣለው።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ናይ ናይጀሪያ መዘናኦም ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ጂዮፍሪ ኦኒይማ ከምኡ'ውን ምስ ምስ ፕረዚደንት መሓመዱ ቡሓሪን ምኽትል ፕረዚደንት የሚ ኣሲንባጆን ኣብ ዋና ከተማ ኣቡጃ ክዘራረቡ ትፅቢት ኣሎ።ካብ መንጎ ዝዘራርቡሎም ዛዕባታት ምሕያል ምትሕብባር ዓለምለኸ ድሕነት ጥዕና፣ምስፍሕፋሕ ተበፃሕነት ጸዓት፣ቁጠባዊ ዕብየትን ምንቕቓሕ ዴሞክራስን ይርከቡዎም።

ብሊንከን ካብ ናይሮቢ ቅድሚ ምብጋሶም ኣመሪካ ንናይጀሪያ ካብ ዝርዝር ንመሰል ሃይማኖት ዝጥሕሳ ሃገራት ከምዘውፅኣታ ገሊፆም ኣለው።

ብሊንከን ኣብ ናይሮቢ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬኒያታ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝተራኸብሉ ግዜ ብዛዕባ ለውጢ ኩነታት ኣየር፣ንግዲ፣ለበዳ ኮቪድ 19ን ብዝዓበየ ድማ ናይቲ ዞባ ፀጥታን ተዘራሪቦም ኣለው።

ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ንሶምን ኬኒያታን ብዛዕባ ቅልውላው ኢትዮጵያን ነዚ ንምፍታሕ ብናይ ናይጀሪያ ፕረዚደንት ነበር ኦሊሰገን ኣባንሳጆ ዝምራሕ ፃዕሪ ሕብረት ኣፍሪቃን ምዝታዮም ገሊፆም።

"እቶም ወገናት ብዘይውዓል ሕደርን ብዘይ ቅድመ ኩነታትን ተፃብኦታት ደው ከብሉ፣መግሃስትን ምጥሓስን ሰብኣዊ መሰላት ጠጠው ከብሉዎን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ህይወት ኣድሕን ረድኤት ንዘድልዮም ሚሊዮናት ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ተበፃሒ ክኸውንን ፍሉይ ልኡኽ ጀፍሪ ፌልትማን ምስ ላዕለዋይ ተወካሊ ኣባሳንጆ ይሰርሑ እዮም ዘለው’’ ኢሎም።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰፊሕ መግሃስታት ፈፂሞም ብዝብል ይኽሰሱ።

ኣብ ቀረባ ሰሙናት ሓይልታት ትግራይን መሻርኽቶምን ናብ ኣዲስ ኣበባ የምርሑ ኣብ ዘለውሉ ዝኽፍታታት እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።

ናይ ኬንያ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ረይቸል ኦማሞ ነቲ ቅልውላው ፍታሕ ምርካብ ይክኣል እዩ፤ኢትዮጵያዊያን ኣብ ሰላማዊ ፍታሕ ክሰርሑ ኣለዎም ኢለን።

ንሰን"ኢትዮጵያ ነቲ ቅልውላው ክትፈትሖ ተኽእሎ ከምዘለዋ ንኣምን’’ ኢለን ። ‘’ቶኽሲ ጠጠው ክብል ከምዝኽእል እውን እምነትና እዩ።ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ምርግጋፅ ከምዝካእል እውን ንኣምን ኢና።ብፅንዓትን ጥበብን ህዝቢ ኢትዮጵያ ክንኣምን ኣለና፤ምኽኒያቱ ኣብ መወዳእታ እቲ መፍትሒ ካብኦም እዩ ዝመፅእ።ንሕና ከም ጎረቤት ክንገብሮ ንኽእል ምድጋፍ እዩ’’ ኢለን።

ብሊንከን ኣፍሪቃ ኣንፃር ለበዳ ኮቪድ19 ንእተካይዶ ግጥም ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ሓገዝ ኣመሪካ ገሊፆም።ን43 ሃገራት ኣመሪካ ልዕሊ 50 ሚሊዮን መጠን ክታበት /ዶዝ/ ምሃባ ሓቢሮም።ምስ ኮቪድ 19 ብዝተኣሳሰረ 1.9 ቢልዮን ዶላር ምሕጋዞም'ውን ወሲኾም ገሊፆም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ናይ ናይጀሪያ ዑደቶም ምስ ዛዘሙ ናብ ሰኔጋል ከምርሑ እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ናይ ኬንያ ዑደቶም ዛዚሞም: ናይጀርያ ኣትዮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:16 0:00


XS
SM
MD
LG