ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ጸጥታን ቁጠባን ንምዝርራብ ናብ ስዑዲ ዓረብ ገይሾም


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ጉዳይ ጸጥታን ቁጠባን ንምዝርራብ ሎሚ ሰሉስ 6 ሰነ 2023 ናብ ስዑድ ዓረብ ገይሾም።

ንሶም ቅድሚ መገሻኦም ምስ እስራኤል ኣብ ዝውግን ኣኼባ ተረኺቦም ኣብዝሃብዎ ርእይቶ ገለ ክፋል መገሽኦም ርክብ እስራኤልን ስዑድ ዓረብን ምሕያል ዝብል ከምዝኾነ ጠቂሶም።

ኣንቶኒ ብሊንከን ርክብ እስራኤልን ስዑድ ዓረብ ናብ ንቡር ምምላሱ ንሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ኣገዳሲ'ዩ ክብሉ'ውን ተዛሪቦም ኔሮም።

ብሊንከን ጽባሕ ረቡዕ ኣብ ኣኼባ ሚንስትራት ቤት ምኽሪ ምትሕግጋዝ ወሽመጥ ተረኺቦም ብዛዕባ ጸጥታ፤ምርግጋእ፤ ምህዳእ ዞባዊ ውጥረት፤ ቁጠባዊ ዕድላት ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ከምዝዘራረቡ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG