ዋሽንግተን —
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ብድሆታት ጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኩነታት ኢትዮጵያን ተዘራሪቡ።
ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማት ሚለር ከም ዝሓበሮ ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይን ብሊንከንን ኣብቲ ብተሌፎን ዝገበርዎ ርክብ ብዛዕባ ሓድነታዊት ሰላማዊትን ብልጽግትን ኢትዮጵያ`ውን ሓሳብ ተለዋዊጦም።
ብሊንከን ኣብቲ ርክብ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዘሎ ኩነታት ሻቕሎቱ ድሕሪ ምግላጽ ብፖለቲካዊ ልዝብ ሰላማዊ ፍታሕ ምፍታሽ ኣድላዪ ምዃኑ`ውን ኣስሚርሉ`ሎ። ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዝጠቐሰ ብሊንከን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕጻል ብዛዕባ ክግበር ዝግብኦ ምምሕያሽ ቁጽጽር ረድኤት`ውን ጠቒሱ`ሎ።
እቲ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብቲ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ዝገበሮ ርክብ፡ ኢትዮጵያ ሓደ ግሉጽ ተኣማኒን ሓቛፊን መስርሕ ፍትሒ ንምቛም ትገብሮ ንዘላ ዝበሎ ጻዕሪ`ውን ምንዓዱ ሓበሬታ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ የመልክት።
ቅጥዒ