ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል፡ ኣብ መኪና ዝተጻወደ ነታጉ ተፈንጂሩ 10 ሰባት ምቕታሉ ተገሊጹ


ኣብ ሶማል ኣብ ሓደ መኪና ዝተጻወደ ነታጉ ተፈንጂሩ ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ 10 ሰባት ክሞቱ ከለው 18 ድማ ምቁሳሎም ሰበ ስልጣንን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ነቲ ሎሚ ሶሉስ ኣብ ዞባ ዋዳጂራ ኣብ ሓደ ህንጻ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ነታጉ ጥሩፍ ጉጅለ ኣል ሸባብ ሓላፍነት ምውሳዱ ተፈሊጡ’ሎ።

ነታጉ ዝተጻወዳ መኪና ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ተሓበቅቲ መሰላት ኣኼባ ኣብ ዘኻይድሉ ዝነበረ ህንጻ ብሓይሊ ድሕሪ ምእታው መራሕ መኪና ነታ ነታጊ ምፍንጃሩ ተገሊጹ’ሎ።

ምክትል ኮሚሽነር እቲ ዞባ ኣቡበከር ሸኽ ኣሕመድ “ነቲ ነታጉ ኣብ ውሽጢ’ቲ ህንጻ’ዩ ፈንጂርዎ፡ ብዙሃት ሰባት ስኢና ኢና ዝበዝሑ ካብቶም ዝሞቱ ድማ መንእሰያት እዮም ኔሮም” ኢሎም።

ሓገዝ ወሃብቲ ወገናት ካብቲ ሓደጋ ንዝተረፉ ሰባት ኣብ ምድላይ ከምዘለው ተሓቢሩ’ሎ።

ኣል ሸባብ ዘካይዶ ዘሎ ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ኣብዚ ዓመት’ዚ ምውሳኹን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልተ ኣብያተ መግቢ ብዝተኻየደ መጥቓዕቲ 29 ሰባት ምሟቶም ይፍለጥ።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽል'ዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG