ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዲስ ኣበባ፡ አብ አንዋር መስጊድ ብዝተተኮሰ ቦምብ 5 ሰባት ብከቢድ 19 ድማ ብቀሊል ቆሲሎም


ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኣንዋር መስጊድ ሎሚመዓልቲ ቦምብ ከምዝተተኮሰ ንሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝጠቐሰ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖረሽን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ጉዳይ ኣማሲዩ መግለጺ ዝሃበ ግብረ ሓይሊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድሕነትን ናይ ፌደራል ፖሊስ ጸረ-ሽበራን ኣብ ስነ ስርዓት ስግዳን ጁምዓ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኣመንቲ ምስልምና መንነቱ ዘይተፈልጠ ሰብ ብዝደርበዮ ቦምብ 5 ሰባት ብከቢድ 19 ሰባት ድማ ቀሊል መቑሰልቲ ከምዘጋጠሞም ሓቢሩ’ሎ።

ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ ንምሓዝ ፖሊስ ኽትትል የካይድ ከምዘሎ'ውን እቲ ግብረ ሓይሊ ገሊጹ’ሎ።

ብተወሳኺ እቲ መግለጺ ብጉልባብ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ዝካየድ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ዓመጽ ብጽኑዕ የውግዝ ይብል ።

XS
SM
MD
LG