ማሕበር ልምዓት ብዘትን ከባቢኣን ኣብ ከተማ ብዘት ብ60 ሚልየን ቕርሺ ማእኸል ቴክኒክን ሞያን ንምህናፅ ኣብ ልዑል ምርብራብ ከምዝርከብ ገሊፁ።
ናይቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ እቲ ማሕበርን ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢንዳስቱሪ ኢትዮጵያ ዶ/ር መብራህቱ መለስ ህንፀት እቲ ማእኸል ሓደ ኣካል ናይቲ ድኽነት ንምጥፋእ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ እዩ ኢሎም።
ብፍላይ ኣብቲ ከባቢ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ስለዘለዉ እቶም መናእሰይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ ናብቲ ማእኸል መሰልጠኒ ኣትዮም ዝተፈላለዩ ሞያታት ብምጭባጥ ኣብ ዝተፈላለያ ኣፍረይቲ ትካላት ብምእታው ንባዕሎም፣ንስድረኦምን ንዓዶምን ብቑዓት ኰይኖም ምእንታ ክርከቡ ተሓሲቡ እዩ ዝህነፅ ዘሎ እውን ኢሎም ዶ/ር መብራህቱ።
ነቲ ማእኸል ቴክኒክን ሞያን ንምህናፅ ኣብ ከተማታት ትግራይ፣ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ውዳበታት ተጣይሸን ገንዘብ ይውህለል ከምዘሎን ዛጊድ ተስፋ ወሃቢ ኩነታት ይረአ ምህላዉን እውን ተገሊፁ’ሎ።
መንግስቲ ጃፓንን ህዝቢ ንህዝቢ ዝተበሃለ ገባሪ ሰናይ ትካልን ንህንፀት እቲ ማእኸል ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዘወፈዩን ድማ ዶ/ር መብራህቱ ተዛሪቦም።
ብመሰረት እዚ ኣብ ኰሎም ከባብታት ዘለዉ ተወለድቲ ብዘትን ከባቢኣን ከምኡ እውን ፈተውቲ ልምዓትን ንህንፀት እቲ ማእኸል ኩለ መዳይ እጃሞም ከወፍዩ ዶ/ር መብራህቱ ፀዊዖም።ብድምፂ ኣብዚ ይስምዑ።