ዋሽንግትን —
ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ዝመደበሩ ቢዘን- ፋውንደሽን ዝተባህለ ትካል፡ ካብ ትምህርቶም ንዝተጎናደቡ ኣባጽሕን ዓበይትን ናብ ሞያዊ መኣዲ ስራሕ ዝኣትውሉ ስልጠና ዝሓለፈ ሰሙን ሂቡ ኔሩ።
ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ናይ ትምህርትን ስልጠናን ዕድላት ተጠቒምካ፡ ብሓጺር ኮርሳት ናብ ሞያዊ ስራሕ ክትዋፈር ከም ትኽእል `ውን ኣብቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ምሁራትን ሞያተኛታትን የካፍሉ።
ዶ/ር በላይ ብርሃነ ደሞዝ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መሪላንድ- ባልቲሞር ካምፓስ- መምህር ኣትሞስፈሪክ ፊዝክስን ክኢላ መጽናዕቲ ናሳን ከኸውን ከሎ፡ ዶ/ር ጴጥሮስ ዑቕባዝጊ ድማ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ዝዓበየ ሆስፒታል ዝሰርሕ ሓኪም ውሽጣዊ ሕማማት`ዩ።
ቅጥዒ