ኣብ`ዚ ቐረባ እዋን ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ዩ.ኤስ ምኽትል ምንስተር ኣህጉራዊ ጉዳያት ማርያ ኦቴሮን ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ጆኒ ካርሰንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ብርቱካን ኣልዒሎም ተዛትዮም ኔሮም።
ጆኒ ካርሰን፡ ናይ ወ/ት ብርቱካንን ናይ ካልኦትን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምጽናሕ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ስም ከምዘይህቦ ነጊርናዮም ኢና ኢሎም ኔሮም
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ወ/ት ብርቱካን ይቕረታ ስለዝሓተተትን ምስ ኣዲኣን ጓላን ንኽትራኸብን ከምዝፈትሓ ኣፍሊጡ`ሎ። ን646 መዓልታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፈት ብርቱካን፡ ብፍላይ በይና ተዓጽያ ዘሕለፈትለን 200 መዓልታት ዘስካሕክሓ ኸምዝነበራ ገሊጻ`ላ።
ገለ ተንተንቲ ፡ እቲ ንብርቱካን ዝተገብረ ይቕረታ፡ ኢትዮጵያ ሽም ዲሞክራሲኣ ንምምሕያሽ ዝገበረቶ`ዩ ይብሉ። ምንስትሪ ወጻኢ U.S ፡ ዓሚ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰል፡ ብርቱካን ናይ ፖሊቲካ እስርቲ`ያ ኢሉዋ ኔሩ። ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ብወገኖም፡ ብርቱካን ናይ ሕልና እስርቲ`ያ ክብልዋ ጸኒሖም`ዮም።
ኣባል ኣመራርሓ ሰልፊ ሓድነትን ፍትሕን ኣቶ ስየ ኣብርሃ ብዛዕባ ምፍታሕ ብርቱካን ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፡ “ጉዳይ ምፍታሕ ናይ ሕልና እስረኛታት፡ ብፍላይ ናይ ው/ት ብርቱካን ምፍታሕ ሓደ ዓቢይ ፖሊቲካዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ጸኒሑ`ዩ ኣብ`ዛ ሃገር” ድሕሪ ምባል ዝኾነ ኽስታይ`ኳ እንተሃለዎ ምፍትሓ ግን ጽቡቕ ኢዩ ኢሎም።
ንምሉእ ፕሮግራም ንምስማዕ ኣብቲ ላዕላዋይ ጸጋም ዘሎ ምልክት ድምጺ ጠውቑ