ኣብ ኢትዮጵያ ተቓውሞ ንምዕፋን ይውዕል ኣሎ ዝበልኦ ብቢሊዮን ዝቑፀ ብቀንዲነት ካብ ለገስቲ ዝወሃብ ገንዘብ ዝበለፀ ቁፅፅር ክግበረሉ ከምዝግባእ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ትምህርተን እናተኸታተላ ዝርከባ ናይ ቀደም መራሒት ፓርቲ ሓድነት ንፍትሕን ንዴሞክራስን ወ/ሪት ብርቱዃን ሚደቅሳ ኣተሓሳሲበን።
ብኻሊእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ፓርትታት ናይ ዴሞክራሲ ባህሊ ንኽሰርፅ ናይ ፖለቲካ ፕሮግራሞም ዳግም ፈቲሾም ክውደቡ ዘለወን እምነት ገሊፀን።ወ/ሪት ብርቱካን ነዚ ሪኢቶ ዝሃባ ኢንዶውመንት ንዴሞክራሲ ዝተብሃለ ዋና ቤት ፅሕፈቱ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝኾነ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘዳለዎ ናይ ምይይጥ መድረኽ እዩ።