ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ለገስቲ ሃገራት ዝህብዎ ብቢሊዮናት ዝቑፀር ገንዘብ ተቓውሞ ንምዕፋን ይውዕል ኣሎ፡ ዝበለፀ ቁፅፅር ክገብርሉ ይግባእ ይብላ ብርቱዃን ሚደቅሳ


ተቓወምት ፓርትታት እውን ውሽጣዊ ዴሞክራሲያዊ ባህሎም ከስፍሑ ፀዊዐን

ኣብ ኢትዮጵያ ተቓውሞ ንምዕፋን ይውዕል ኣሎ ዝበልኦ ብቢሊዮን ዝቑፀ ብቀንዲነት ካብ ለገስቲ ዝወሃብ ገንዘብ ዝበለፀ ቁፅፅር ክግበረሉ ከምዝግባእ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ትምህርተን እናተኸታተላ ዝርከባ ናይ ቀደም መራሒት ፓርቲ ሓድነት ንፍትሕን ንዴሞክራስን ወ/ሪት ብርቱዃን ሚደቅሳ ኣተሓሳሲበን።

ብኻሊእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ፓርትታት ናይ ዴሞክራሲ ባህሊ ንኽሰርፅ ናይ ፖለቲካ ፕሮግራሞም ዳግም ፈቲሾም ክውደቡ ዘለወን እምነት ገሊፀን።ወ/ሪት ብርቱካን ነዚ ሪኢቶ ዝሃባ ኢንዶውመንት ንዴሞክራሲ ዝተብሃለ ዋና ቤት ፅሕፈቱ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝኾነ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘዳለዎ ናይ ምይይጥ መድረኽ እዩ።



Recommended

XS
SM
MD
LG