ዋሽንግተን —
ሎሚ ኣብ ዝተቓንዐ ካልኣይ መድረኽ ዙር ስዊስ (Tour de Suisse) ኤርትራዊ ተቓዳዳማይ ጋንታ ኢንተርማሸ ቢንያም ግርማይ ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ንነብሱ፡ ንጋንታኡን ብዓቢኡ ድማ ነዚ ዓወት ዝተጓናጸፈ ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ። ኣብዚ ናይ ሎሚ 174 ኪሎ-ሜተር ዝሸፈነ ቅድድም ኣርኖድ ደማር (Arnaud Démare) ካልኣይ ክወጽእ እንክጀሎ ዎት ቫን ኣርት (Wout Van Aert) ድማ ሳልሳይ ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም።
ቢንያም ነዚ ዓቢ ናይ መድረኽ ዓወት ዝጓናጸፍ ዘሎ ንውድድር ዙር ፈረንሳ ይቀራረበሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ካልኣይን ሳልሳይን ዝወጽኡ ተቐዳደምቲ'ውን ክልተኦም ቅድሚ ሕጂ በበይኑ መድረኻት ዙር ፈረንሳ ተዓዊቶም ዝፈልጡ'ዮም።
ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዘጋጠሞ ሓደጋ ምውዳቕ እናዘከረ እቲ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ኤርትራውያንን ካልኦት ደገፍቱን ነዚ ዓወት ዝበቕዐ ቢንያም፡ “እዚ ዓወት ንዓይ ዓቢ’ዩ። መዛዘሚ ሕንጻጽ ምስ ረገጽኩ ንዓይ’ውን ገሪሙኒ፡” ኢሉ።
ቅጥዒ