ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቢንያም ግርማይ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ፈረንሳይ 11 ወጺኡ


ፋይል
ፋይል

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ፈረንሳይ (ቱር ዲ ፍራንስ) ምስ ኢንተርማሸ ዝወዳደር ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ መበል 11 ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ። ሎሚ ንተወዳደርቲ ቅጽበታዊ ውድድር ብልጫ ዝሃበ ዓይነት ብምንባሩ ቢንያም ጽቡቕ ውጽኢት ከመዝግብ ከም እኽእል ትጽቢት ተገይሩዎ’ዩ ኣትዩ። ቢንያም ድሕሪ’ቲ ናይ ሎሚ ኣዝዩ ዝምዝገን ውጽኢት፡ ኣብ ዝመጽእ መድረኻት ብውልቂን ጋንታን ዝበለጸ ዓወት ከመዝግቡ ከም ዝኽእሉ ተስፋኡ ገሊጹ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ሳልሳይ መድረኽ፡ ኣብ መኽፈቲ እቲ ውድድር ዝተዓወተ ኣዳም ዪትስ ካብ ጋንታ ኢማራት ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ወዲ ጋንታኡ ታደይ ፖጋቻር ካልኣይ፡ ማንታ ኣዳም ዪትስ ዝዀነ ሲሞን ዪትስ ካብ ጋታንት ጃይኮ ድማ ሳልሳይ ወጺኦም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG