ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ኣል-ቃይዳ ኦሳማ ቢን ላዲን ብወትሃደራት ኣሜሪካ ተቐቲሉ


ኦሳማ ቢንላዲን ናይ ዓለምና ቀንዲ ተደላዪ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።

ፍርቂ ለይቲ ክኸውን ቁሩብ ደቓይቕ ምስተረፎ ትማሊ ሰንበት ለይቲ ነይሩ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ህዝቢ ኣሜሪካ ንዓሰርተ ዓመታት ክሰምዖ ይፅበዮ ንዝነበረ ዜና ኦሳማ ቢን ላዲን ዝተዛረቡ።

ንሶም ‘’ንህዝቢ ኣሜሪካን ዓለምን ክገልፆ ዝደሊ ዩናይትድ ስቴትስ ነቲ ንሞት ኣሽሓት ንፁሃን ደቂ ተባዕትዮ፡ደቂ ኣንስትዮን ህፃውንትን ተሓታቲ ዝኾነ መራሒ ኣልቃይዳ ኦሳማ ቢንላዲን ንዝቐተለ ስርሒት ኣካይዳ’ላ።’’ክብሉ ገሊፆም።

ኣል ቃይዳ ኣብ ልዕሊ ዩናይትድ ስቴትስ 11 መስከረም 2001 ኣ/ፈ መጥቓዕቲ ብምፍፃም ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ካብዝቐትል ኣትሒዙ ኦሳማ ቢንላዲን ናይ ዓለም ቀንዲ ተደላዪ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።

ፕሬዝዳንት ኦባማ እቲ መራሒ ግብረ ሽበራ ኣብ ኣቦታባድ ፓኪሳታን ኣብዝርከብ መንካበቢያ ተሓቢኡ ከምዝነበረ ብምግላፅ ዝሓለፈ ሰሙን ንኦሳማ ቢን ላዲን ናብ ፍትሒ ዘቕርብ ስርሒት ምእዛዞም’ውን ሓቢሮም።

ሒደት ቁፅሪ ዝርከብዎ ኣሜሪካዊያን ጉጅለ ትማሊ ሰንበት ኣብቲ መንካበቢያ ስርሒት ከምዘካየዱን ድሕሪ ምልውዋጥ ቶኽሲ ንኦሳማ ቢንላዲን ብምቕታል ሬስኡ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለን ፕሬዝዳንት ኦባማ ሓቢሮም።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣልቃይዳ ኣብ ልዕሊ ዩናይትድ ስቴትስ መጥቓዕቲ ናይ ምፍፃም ፃዕሩ ስለዝቕፅል ኣሜሪካዊያን ብንቕሓት ንኽንቀሳቐሱ ኣጠንቂቖም።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ እዋን መጥቓዕቲ 11 መስከረም 2001 ኣ/ፈ ፕሬዝዳንት ንዝነበሩን ኣንፃር ሽበራ ኹናት ንዝኸፈቱን ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ እውን ቴሌፎን ከምዝደወልሎም ተዛሪቦም።ፕሬዝዳንት ነበር ቡሽ ኣብዘውፅእዎ ናይ ፅሑፍ መግለፂ ናይ ቢን ላዲን ሞት ናይ ኣሜሪካ ዓወት እዩ ኢሎምዎ።

ኦሳማ ቢን ላዲን ካብ ሃብታም ስድራ ስዑዲ ዓረብ 10 መጋቢት 1957 ኣ/ፈ ተወሊዱ።

ሕብረት ሶቪየት ኣብ 1979 ኣ/ፈ ንኣፍጋኒስታን ምስወረረት ቢን ላዲን ምስ እስላማዊያን ተዋጋእቲ ሙጃህዲን ተፀንቢሩ።ድሕሪ ብርክት ዝበሉ ዓመታት ሃብቱ ተጠቒሙ ኣልቃይዳ ብዝብል ሽም ናይ ባዕሉ ሓይሊ ኣጣይሹ።ናይ ዓረብኛ ትርጉም ኣልቃይዳ መሰረት ማለት እዩ።

ኣብ 1996 ኣ/ፈ ቢን ላዲን ፀጋታት ተፈጥሮ ሙስሊም ሃገራት ብምዝራፍ ንፀላእቲ እስላም ትሕግዝ ኣላ ኢሉ ንዝኸሰሳ ኣብ ልዕሊ ዩናይትድ ስቴትስ ናይ ሃይማኖት ዅናት ኣዊጁ።

ኣብ ሱዳን ተሓቢኡ እናሃለወ ቢን ላዲን ኣንፃር ኣብ ሱማሊያን ስዑዲ ዓረብያን ዝርከቡ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ወታደራዊ ኣካላት ናይ መጥቓዕትታት ውዲት ከምዝፈሓሰ ይእመን።ኣብ 1997 ኣ/ፈ ኣብ ኬንያን ታንዝንያን ኣብዝርከቡ ኤምባሲታት ዩናይትድ ስቴትስ’ውን መጥቓዕትታት ኣዋዲዱ።

ድሕሪ ናይ 11 መስከረም 2001 ኣ/ፈ መጥቓዕቲ ግብረ ሽበራ ቢን ላዲን ንዩናይትድ ስቴትስ ኣየረክብን ኢላ ጠንጠነለይ ኣብ ልዕሊ ዝበለት ኣፍጋኒስታን ብዩናይትድ ስቴትስ ዝምራሕ ጥምረት ናብ ኣፍጋኒስታን ብምዝማት ንናይ ታሊባን መንግስቲ ኣወጊዱዎ።

ወታደራትን መኮነናት ስለያን ዩናትድ ስቴትስ ኣብ ዶብ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ንዝርከቡ ብጎቦታት ንዝተኸበቡ ከባቢታት ንዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ብምዝውዋር ንቢን ላዲን ንምርካብ ብዙሕ ፈቲኖም እዮም።

ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኦሳማ ቢን ላዲን ምቕታሉ ምስ ገለፁ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ዝተሓጎሱ ሰባት ኣብ ዋይት ሃውስ ብምትእኽኻብ ክጭድሩ ክሕጎሱን ክዝምሩን ተራኢዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ኣል ቃይዳ ናይ ሒነ ምፍዳይ መጥቓዕቲ ክፍፅም ከምዝኽእል ንኤምባሲታቱን ኣሜሪካዊያንን ኣጠንቒቑ’ሎ።

XS
SM
MD
LG