ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስራቲ መርበብ ሽበራ ኣልቃይዳ ኦሳማ ቤንላደን ሞይቱ 'ዩ ክብሉ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣፍሊጦም


ህዝቢ ኣሜሪካ ነዚ ዳርጋ ን'10-ዓመታት ተፀብዩ'ዩ ክብሉ ፕረዚደንት ኦባም ገሊፆም

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ሎሚ ለይቲ ንፍርቂ ለይቲ 25-ደቃይቅ ክተርፎ ኸሎ'ዮ ኦሳማ ቤንላደን ከምዝሞተ ገሊፆም።

ህዝቢ ኣሜሪካ ነዚ ንኽሰምዕ ዳርጋ ንዓሰርተ ዓመታት ተፀብዩ ክበሉ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ገሊፆም።

"ኣሜሪካ ንመራሒ'ቲ ኣሽሓት ንፁሃት ሰብኡት ኣንስቲን ቆልዑን ብምቅታል ተሓታቲ ዝኾነ መርበብ ሽበራ ኣልቃይዳ ኦሳማ ቤንላደን ዝቀተለ ስሪሒት ከምዝገበረት ንህዝቢ ኣሜሪካን ህዝቢ ዓለምን ክገልፅ እኽእል'የ።" ክብሉ ፕረዚደንት ኦባማ አፍሊጦም።

ኦሳማ ቤንላደን ካብ ድሕሪቲ ናይ 11 መስከረም 2001 ኣብ መሬት ኣሜሪካ ልዕሊ 3-ሽሕ ዝቀትል ንነጀው ኣብ ዓለም ኣዝዩ ክድለ ዝፀንሐ ኣሸባሪ'ዩ።

XS
SM
MD
LG