ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቢል ክሊንተን ሆስፒታል ኣትዮም ግን ኣብ ዝተረጋግአ ኩነታት ይርከቡ


ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ቢል ክሊንተን
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ቢል ክሊንተን

ዝተሓደሰ--

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ቢል ክሊንተን ሆስፒታል ምእታዎም ግን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ወሃቢ ቃል ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ቢል ክሊንተን ብረስኒ ምኽንያት ትማሊ ሰኑይ ናብ ሆስፒታል ምእታዎም ተገሊጹ።

ወዲ 78 ዓመት ቢል ክሊንተን ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ንተወሳኺ ምርመራን ምክትታልን ኣብ ሆስፒታል ምጽንሖም ቤት ጽሕፈቶም ሓቢሩ’ሎ።

ካብ 1993 ክሳብ 2001 ንክልተ ናይ መዝነት እዋን ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኖም ዘገልገሉ ቢል ክሊንተን ኣብ 2004 መጥባሕቲ ልቢ፡ ኣብ 2005 ብሕማም ሳንቡእ ኣብ 2010 ድማ ንመትኒ ደም ንምትካእ መጥባሕቲ ምክያዶም፡ ኣብ 2021 ምስ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ዝመሳሰል ተርእዮ ኣብ ካሊፎንያ ኣብ ክትትል ሕክምና ኣትዮም ከምዝነበሩ ይዝከር።

ድሒሩ ካብ ወሃብ-ቃል ክሊንተ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ቢል ክሊንተን ተመሓዪሹ ሰሉስ ቅድሚ ቀትሪ ካብቲ ተዓቚቡሉ ዝጸንሐ ሕክምና ናብ ገዛኡ ተሰናቢቱ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG