ዋሽንግተን —
ኣብ ዋና ከተማ ደቡብ ኮርያ ሶውል ሎሚ ረቡዕ ብዘጋጠመ በረድ ሓዘል ህቦብላ ክልተ ሰባት ሞይቶም መጓዓዝያ ምትዕንቃፉ ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ። ብመሰረት ጸብጻብ ኣሶሴይትድ ፕረስ እዚ ኣብ ውሽጢ 50 ዓመታት ንመጀመርያ ጊዜ ዝተራእየ ህቦብላ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።
ናይ ደቡብ ኮርያ ኤጄንሲ ምክትታል ኩነታት ኣየር ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዋና ከተማ ሶውል ኣስታት 20-26 ሰ.ሜ. ዕሙቆት ዘለዎ በረድ ከምዝሃረመ ሓቢሩ’ሎ። ኣገልግሎት ዜና ደቡብ ኮርያ ዮንሃብ ብወገኑ በቲ ኩነታት ኣየር 1 ሰባት ምሟቱን ኣርባዕተ ካልኦት ድማ ብሰንኪ ኩነታት ኣየር ኣብ ዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ምቝሳሎምን ሓቢሩ። ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት’ታ ሃገር ድማ ኣብ ያንግጂ ዝተባህለ ከባቢ ካልእ ሓደ ሰብ ምማቱን ኣስታት 230 ኣባይቲ ብዘይ ሓይሊ ኤሌትሪክ ምትራፈን ሓቢሩ’ሎ።
እቲ ኣብ ደቡብኮርያ ዘጋጠመ በረድ ምስራዝን ምድንጓይን 317 በረራታት ምስዓቡ’ውን ኣሶሴይትድ ፕረስ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።
ቅጥዒ