ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትንታነ -- ምንስሓብ ባይደን ካብ ምርጫ ንደሞክራሲያውያን ረብሓ’ዶ ወይስ ሃስያ?


ድሕሪ ፕረዚደታዊ ክትዕ፡ ካብ በበይኖም ወገናት ካብቲ ውድድር ንኽስሕብ ክቐርበሉ ዝጸንሐ ጸቕጢ ክነጽግ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ፕረዚደንት ባይደን ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ’ዩ ካብቲ ውድድር ክስሕብ ምዃኑ ኣብ ማሕበራዊ ገጽ ወግዓዊ ገይሩ።

ፕረዚደንት ባይደን፡ ንዝበለጸ ረብሓ ሰልፊ ደሞክራሲያውያንን እታ ሃገርን ክብል ነቲ ስጕምቲ ምውሳዱ’ዩ ብጽሑፍ ገሊጹ። ካብቲ ውድድር ከም ዝሰሓበ ወግዓዊ ድሕሪ ምግባሩ ድማ ኣብ ሓጺር እዋን ንምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ከም ተወዳዳሪት ገይሩ ኣብቲ ውድድር ክትቅጽል ድጋፉ ገሊጹ።

ኣብዚ ሃንደበታዊ ዝመስል ምስሓብ ፕረዚደንት ባይደን ካልእ ኣዛራርቢ ዛዕባ ዘሎ፡ እታ ንቦታኡ ተኪኣ ኣብቲ ምርጫ ክትቅጽል ሓርዩዋ ዘሎ ካማላ ሃሪስ’ያ። ብኤፒ-ኖርክ ዝተባህለ ትካል መጽናዕቲ ኣብ ዝተገብረ ዳህሳስ፡ 58% ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ካማላ ሃሪስ ንኽትመርሕ ብቕዕቲ ምዃና ይገልጹ። እቲ ኣሃዝ ኣብ ምሉእ ኣመሪካ ከባቢ 30% ምዃኑ’ዩ።

ሓደ ምንጻር ዘድልዮ ነጥቢ ግን ባይደን ንካማላ ሃሪስ ድጋፉ ገሊጹ ማለት ናይ መወዳእታ ሕጽይቲ እቲ ሰልፊ ዘይምዃና’ዩ። ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ንወርሒ ነሓሰ ኣብ ቺካጎ ኢሊኖይ ዋዕላ ክህልዎም’ዩ። ኣብዚ 3,896 ተወከልቲ ድምጾም ክህቡ’ዮም። ሃንደበታዊ ዝመስል ውሳነ ባይደን እምበኣር ኣብዚ ዝመጽእ ምርጫ እንታይ ዓይነት ተራ ክህሉዎ ይኽእል ንዝቐረበ ትንታነ ኣብዚ ዝስዕብ መላግቦ ሰዓቡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG