ኲናት ንሓዋሩ ከብቅዕ ክሰርሕ`የ ኢሉ ጎስጓስ እናገበረ ዝመጸ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ሕጂ ፡ ኲናት ቓዛ፡ ወራር ሩስያ ንዩክሬን ከምኡ`ውን ወጥሪ ኣመሪካን ቻይናን ገጢምዎ`ሎ።
ነዚ ኩሉ ብድሆታት ከመይ ይኣልዮ ዝብል ድማ ነቲ ንዓመታ ንኻልኣይ ግዜ ክምረጽ ዘለዎ ዕድል ክጸልዎ ይኽእል`ዩ።
ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ዝስዕብ ዘሎ ሞት ነበርቲ ቓዛ ምውሳኹ ቀጺሉ`ሎ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ሓማስ ዘሎ ሚንስትሪ ጥዕና ቓዛ እቲ ቁጽሪ 7,000 ሓሊፉ`ሎ ይብል። ብዛዕብኡ ዝተሓተተ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ከምዚ ክብል መልሱ፡
“ክንደይ ዝኾኑ ሰባት ይሞቱ`ለዉ ዝብል ካብ ፍልስጤማዊያን ዝመጽእ ዘሎ ቁጽሪ ከረጋግጾ ኣይክእልን`የ፡ ግን ብርግጽ ንጹሓን ሰባት ይሞቱ`ለዉ። ንሱ ድማ ዋጋ ናይ ኩናት`ዩ"ኢሉ።
እዚ ኣበሃህላ`ዚ ግን ንኣመሪካውያን ኣዕራብን፡ ንሰዓብቲ እምነት እስልምናን ካልኦት ንኣተሓሕዛ ባይደን ክነቕፉ ዝጸንሑን ኣቖጢዕዎም ኣሎ።
ሮበርት ምካው ካብ ቤት ምኽሪ ዝምድናታት ኣመሪካውያን:“እዚ ኣዝዩ ዘሰንብድን ንሰባት ክብሪ ምኽላእን`ዩ። 1000 ቆልዑት ጥራሕ እንተዝሞቱ`ዶ ምሓሾ ይኸውን?"
እቶም ገስገስቲ ዝብሃሉ`ውን ገሊኦም በቲ ዘረባ ፕረዚደንት ባይደን ዝተቖጥዑ ኣለው።
ትሸዓተ ዝኾኑ ኣባላት ኮንግረስ መብዛሕቲኦም ካብ ናይ ባዕሉ ሰልፊ ደሞክራሲ ዝኾኑ፡ ኣንጻር`ቲ ንእስራኤል ዝድግፍን ንሓማስ ዝኹንን ናይ ውሳነ ሓሳብ ኣድሚጾም ኣለዉ። ዝህብዎ ምኽንያት ድማ እቲ ዓንቀጽ ብምጥፋእ ህይወት ነበርቲ ቓዛ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ኣይሓዘን ዝብል`ዩ።
ዝተኣከበ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ከምዘርእዮ፡መብዛሕቲኦም ኣመሪካውያን ምስ እስራኤላውያን ይደናገጹ፡ መንእሰያት ኣመሪካ ግን ዝያዳ ዝተኸፋፈሉ ኮይኖም ኣለዉ።
ለሪ ሳባቶ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቨርጅንያ ዳይሬክተር ማእከል ፓለቲካ `ዩ፡፡ ብዛዕባ ንፕረዚደንት ባይደን ዘለዎ ድጋፍ “ኣመሪካውያን ኣይሁድ ብፍላይ ድማ እቶም ንባይደን ድምጺ ምሃብን ንደሞክራቲክ ፓርቲ ገንዘብ ኣብ ምሃብን ዝዋስኡ ወገናት፡ በቲ ፕረሲደንት ዝኸዶ ዘሎ ኣተሓሓዛ ሕጉሳት`ዮም።"
ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ማለት ኮንገረስ ዘለዉ ሪፓብሊካን ግን ብዛዕባ ባይደን ንውግኣት ወጻኢ ዝህቦ ዘሎ ናይ ገንዘብ ድጋፎም እናጉደሉ ይመጹ`ለዉ። ሓዲሽ ዝተመርጸ ኣፈጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ኣመሪካ ማይክ ጆንሰን ንባዕሉ ምስ እስራኤል ዝደናገጽ `ኳ እንተኾነ፡ ግን ናብ ዩክሬን ብዘይቅድመ ኩነት ዝስደድ ገንዘብ ይቃወሞ`ሎ።
“ናብዚ ባይቶ ዘቕርቦ ቀዳማይ ዓንቀጽ ሕጊ ነታ ክብርቲ መሓዛና እስራኤል ዝድግፍ ክኸውን`ዩ፡ እኳ ደኣ ደንጉና ኣለና።"
ሕጂ ባይደን ኣብ 2024 ዳግም ንክምረጽን ዘይክምረጽን ዝውስኖ እቲ ግጭት ዘብቅዓሉ ኩነታት`ዩ። እቲ ግጭት ሓማስን እስራኤልን ናብ ጎረበት እስራኤል ዝኾነት ሊባኖስ`ውን ልሒሙ`ሎ፡ኣብ መንጎ እስራኤልን ብኢራን ዝድገፍ ሂዝበላህን ዝካየድ ዶብ ሰገር መጥቃዕትታት ጽዒቑ`ሎ።
ቅጥዒ