ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባይደን ምስ ላዕለዎት መራሕቲ እስራኤል ይዘራረብ


ርክብ ፕረዚደንት ባይደን ምስ ቀ/ሚ ነታንያሁ
ርክብ ፕረዚደንት ባይደን ምስ ቀ/ሚ ነታንያሁ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሎሚ ረቡዕ 18 ጥቅምቲ 2023 እስራኤል ብምእታው ምስ ላዕለዎት ሰብ-መዚ እስራኤል ዝርርብ ኣካዪዱ። ዑደት ፕረዚደንት ባይደን፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሆስፒታል ቓዛ ዝወደቐ ቦምባ ህይወት ልዕሊ 200 ሲቪላውያን ዜጋታት ወሲዱ እቲ ዞባ ኣብ ዝተሓደሰ ምትፍናንን ነውጺን ኣትዩሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

ፕረዚደንት ባይደን ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ቢንያሚን ናታንያሁ ኣብ ዘካይዶ ርክብ፡ በቲ ኣብ ሆስፒታል ቓዛ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ቦምባን ዝወረደ ሰብኣዊ ክሳራን ዝተሰምዖ ሓዘን ድሕሪ ምግላጽ፡ ዛጊት በጺሑዎ ብዘሎ ሓበሬታ እቲ መጥቃዕቲ ብእስራኤል ዘይኰነስ ብኻልኦት ሓይልታት ምፍጻሙ ኣብ መደምደምታ ምብጻሑ ኣመልኪቱ።

ጕጅለ ሓማስ ነቲ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ኣህሊ ዓረብ ዝተሰምየ ሆስፒታል ዝነቶገ ቦምባ ካብ እስራኤል ምትኳሱ ይኸሱ። እስራኤል ብወገና እቲ ቦምባ ካብ ፍልስጤም ምዃኑን ኢድ ከም ዘይብላን ተመልክት።

ብመሰረት ተታሒዙ ዝነበረ መደብ፡ ፕረዚደንት ባይደን ድሕሪ ናይ ቴልኣቪቭ ምብጻሕ ናብ ዖማን ዮርዳኖስ ቀጺሉ ምስ መራሕቲ ዮርዳኖስ፡ ግብጺን ርእሰ-ምምሕዳር ፍልስጤምን ንምዝታይ’ዩ ነይሩ። እንተዀነ ድሕሪ ናይ ትማሊ መጥቃዕቲ ሆስፒታል ቓዛ፡ እቶም ካልኦት መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ነቲ ጕዕዞ ስለ ዝሰረዙዎ፡ እቲ መደብ ፈሺሉ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG