ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዲሞክራስያዊያን ኣድመጽቲ ድሕሪ ፕረዚደንታዊ ክትዕ እንታይ ይብሉ?


ፈላማይ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ሲ.ኤን.ኤን - ፋይል
ፈላማይ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ሲ.ኤን.ኤን - ፋይል

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ምስ ሪፓብሊካን ሕጹይ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝገበሮ ክትዕ ድሕሪ ምጽጋሙ`ውን ንዳግመ ምርጫ ምውድዳሩ ከም ዝቕጽል ኣፍሊጡ።

ባይደን ድሕሪ`ቲ ኣንጻር ትራምፕ ዝገበሮ ክትዕ፡ ካብ ውድድር ክወጽእ ንዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት ጎስጓስ ምርጫ ባይደን ክብድሆ ይጽዕር ኣሎ።

ኣብዚ ወርሒ ሓምለ ጥራሕ ንመሓውራት ዜና ዝኸውን 50 ሚልየን ዶላር ከምኡ ድማ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ጽዑቕ ጎስጓስ የካይድ ኣሎ።

ባይደን ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ግዝኣት ዊስከንሰን ኣብ ዝግበሮ ህዝባዊ ጎስጓስ ኣብቲ ውድድር ክጸንሕ`የ ኢሉ። ደጋፊቱ ሳብሪና ጆርዳን ሕጂ `ውን ዘድምዕ ሕጹይ`ዩ ትብል፡

"ቀጻልነት ክህልዎ ኣለዎ። ግን እምቢተኛ ክኸውን የብሉን። ንህዝቢ ብግልጺ ኣብቲ ውድድር ከም ዝጸንሕ ክነግሮ ኣለዎ። ኣብ መንጎ ካልእ እንተዘይተቐይሩ፡ ንዓይን ምርጫይ ንሱ`ዩ"።

ካልእ መራጺ ጆናታን ሉስታግ ግን ርግጸኛ ኣይኮንኩን ይብል።

"ዘርኣዮ ኣካላዊ ቁመና ከም ቀደሙ ከምዘየሎ ዘርኢ`ዩ። ዕድመ ክትመልሶ ኣይትኽእልን ኢኻ። እናነኣስና ኣይኮናን ንኸይድ ዘለና። ንዕድመ ክትስዕሮ ኣይትኽእልን ኢኻ።"

ኤሊስ ጆንሰን ድማ ምዝግብቲ ደሞክራት`ያ። ባይደን ድሕሪ`ቲ ክትዕ ኣንጻር ትራምፕ፡ ዳግም ኣብ ጎስጓስ ክትርእዮ ግን ጽቡቕ ከም ዘይተሰምዓ`ያ ትገልጽ።

" ባይደን ኣብዚ ምርጫ`ዚ ክዕወት `ዩ ዝብል እምነተይ ጎዲሉ`ሎ። ኣዝየ ፈሪሐ`ለኹ።"

ንደገፍቲ ትራምፕ፡ ባይደን ኣብቲ ክትዕ ምስ ትራምፕ ክጽገም ምርኣዮም ንኻልኣይ ዘመን ስልጣን ብቑዕ ኣይኮነን ንዝብል መጎተኦም መረጋገጺ`ዩ ኮይንዎም። ኣድማጺ ካሊፎርንያ ላሞንት ፒርሰን ከምዚ ይብል፡“ካብ`ቲ ዝፈልጦ ዝተፈልየን ካልእ ክሓስብ ዝገብረንን ነገር ካብ ኣፍ ባይደን ክወጽእ ኣይሰማዕኩን። ቅድሚ ሎሚ ዘርኣየና `ዩ ኣርእዩና። ከምኡ`ውን ትራምፕ እቲ ንፈልጦ ኮይኑ `ዩ ቀሪቡ።"

እንተኾነ ባይደን ኣብቲ ክትዕ ዘርኣዮ ነገር በይኑ ምሉእ ስእሊ ክህበና ኣይክእልን`ዩ ይብል ኣድማጺ ጆርጂያ ጀፍሪ ታናረልሊ“ባይደን ትሑትን ኣዝዩ በሊሕን ይመስለኒ። ኣብቲ ክትዕ ጽቡቕ ኣይከደን ክንብል ከለና ግን ነቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣየማልአን ማለትና ጥራሕ`ዩ።"

ኣብቲ ክትዕ ባይደን ዘርኣዮ ጉድለት ሓይሊ ንኣድማጺት ዋሺንግተን ዲሲ ሃና ሶቦለቪች ንካልእ ሓዲሽ ሕጹይ ክትጥምት ጌርዋ`ሎ።"ባይደን ከምቲ ዝነበሮ ከም ዘየለ ንዓይ ንጹር `ዩ። ኣብ ክንዲ ባይደን ካልእ ሕጹይ እንተዘምጽኡ ምደገፍኩ ኔረ" ትብል።

ናይ ሚሺጋን ኣድማጺት ለክሲስ ዘይዳን ደሞክራት ካልእ ሓዲሽ ሕጹይ ከምጽኡ እንተኾይኖም ግን ቀልጢፎም ክገብርዎ ኣለዎም ትብል።

ለክሲስ ዘይዳን“ ኣብዚ ዝቕጽል ኣዋርሕ ደሞክራት ክገብርዎ ዘለዎም ብዙሕ ስራሕ ኣሎ። ነቲ ዝነቐዐ መሰረት ዳግም ሓያል ጌሮም ክሃንጽዎ ይግባእ። እንተዘይኮነ ግን ትራምፕ ፕረziደንት ኮይኑ ክንርኢ ኢና ማለት `ዩ" ትብል ።

ከምኡ እንተተገይሩ ግን ምኽትል ፕረziደንት ባይደን ካመላ ሃሪስ ካብ መንጎ ሕጹያት`ቲ ፓርቲ ከም ትኸውን `ዩ ዝግመት። ግን እዚ`ውን ዝሰርሕ ኣይመስለንን ትብል ኣድማጺት ካሊፎርንያ ስተፋኒ ቦወርስ፡-“ ካመላ ክትትካእ ደስ ምበለኒ። ግን ዓለም ከምኡ ኣይኮነን ዝሰርሕ ዘሎ። ምስቲ ዘሎ ኩሉ ግጉይ ግምታት፡ ትራምፕ ካብ ባይደን ንላዕሊ ንካመላ ክስዕራ ይኽእል`ዩ።"

ባይደን ከም ሕጹይ ደሞክራሲያውያን ኮይኑ ክወዳደር ድፍኢት ሰልፉ ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን፡ ኣብዚ ሰሙን`ዚ በዓልቲ ቤቱ ጂል ባይደን ኣብ ሰለስተ ግዝኣታት ምስ ስድራቤታት ወተሃደራት ተራኺባ ኔራ። ባይደን `ውን ኣንጻር `ቲ ዝመጽእ ሰሙን ዝግበር ጉባኤ ሰልፊ ሪፓብሊካን፡ ኣብ ቴክሳስን ነቫዳን መደረታት ከስምዕ ተዳልዩ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG