ሓሙስ ኣብ ኣትላንታ ድሕሪ ዝተኻየደ መደበር ቴለቪዥን ሲኤንኤን ዘካየዶ ፕረዚደንታዊ ክትዕ፡ ተወዳደርቲ ናብ ጎስጓስ ወፍሪ ምርጫ ተመሊሶም ኣለዉ። እንተዀነ ኣብቲ ክትዕ፡ ፕረዚደንት ባይደን እቲ ዝድለ ቍመናን ብቕዓትን ኣየርኣየን ዝበሉ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲያውያን መተካእታኡ ንምምራጽ ሓሳባት ኣበጊሶም ኣለዉ ።
ኣብቲ ሓሙስ ዝተኻየደ ክትዕ፡ ፕረዚደንት ባይደን ንኻልኣይ እብረ ስልጣን ድሉው ምዃኑ ንደገፍቱ ከርኢ ፈቲኑ’ዩ። እንተዀነ ደጋጊሙ ሓሳባቱ ንምጥርናፍ ይቃለስ ምንባሩ ኣይስሓትን።
"ደጊመ ከረጋግጸልኩም እደሊ። ብውሽጠይ ክዕወት ከም ዘይክእል እንተዘይኣምን ናብ ካልኣይ እብረ ምርጫ ኣይምኣተኹን። ነዚ ስራሕ ክዓሞ እኽእል’የ። ብቐንዱ ግን ንሱ ምስ ዘይከውን እቲ ዝኽፈል ዋጋ ቀሊል ኣይክኸውንን’ዩ።”
ድሕሪ ክትዕ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ምትእኽኻብ ገንዘብ’ውን ባይደን ኣብ እዋን ምርጫ ዘርኣዮ ብቕዓት ብገለ መዳዩ ዘነጽር’ዩ። ላሪ ሳባቶ ኣብ ዩኒቨርስቲ ቪርጂንያ ዳይረክተር ማእከል ፖለቲካ’ዩ።
"ሰልፊ ደሞክራሲያውያን መንእሰያት እሞ ድማ ንምምራሕ ሓይሊን ዓቕሚን ዘለዎም ኣማራጺታት እንተዘቕርቡ፡ ብዘይ ጥርጥር፡ ህዝቢ ኣንጻር ትራምፕ ድምጹ ክህብ ዓቢ ድፍኢት ምዀነ፡”ይብል ።
ትራምፕ እቲ ክትዕ ኣብ መንጎ ድኹምን ሓያልን ወገናት’ዩ ነይሩ ይብል።
"ኵሉ ኣድማጺ ክሓቶ ዘለዎ ሕቶ፡ ባይደን ን90 ደቓይቕ ዝኣክል ክካታዕ ይኽእል’ዶ ኣይክእልን ዘይኰነስ እዚ ድኹም ሰብ ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት ንመንግስቲ ኣመሪካ ክመርሕ ዓቕሚ እንተለዎ ምግምጋም’ዩ።”
ትራምፕ፡ ባይደን ኣብቲ ውድድር ክጸንሕ ምዃኑ’ዩ እምነቱ።
"ድሕሪ’ቲ ክትዕ ብዙሓት ሰባት ባይደን ካብቲ ውድድር ክስሕብ’ዩ ይብሉ ኣለዉ። ከምኡ ዝኸውን ግን ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ካብቶም ካልኦት ክመጽኡ ዝኽእሉ ንላዕሊ ኣብ ዳህሳስ ህዝቢ ዝለዓለ ተቐባልነት ዘለዎ ገና ንሱ’ዩ።”
ኣብ መንጎ ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ምናልባት ባይደን እንተ ስሒቡ ከም መተካእታ ክቐርቡ ዝኽእሉ ኣስማት ይርቋሕ ኣሎ።ገለ ካብኣቶም ምኽትሉ ዘላ ካማላ ሃሪስ፡ ኣመሓዳሪ ክፍለ-ሃገር ሚሺጋን ግረትቸን ዊትመር፡ ኣመሓዳሪ ክፍለ-ሃገር ካሊፎርኒያ ጋቪን ኒውሳም፡ ኣመሓዳሪ ክፍለ-ግዝኣት ከንታኪ ኣንዲ በሸር፡ ከምኡ’ውን ኣመሓዳሪ ኢሊኖይ ጀይ ቢ ፕሪዝከር ይርከቡዎም። ዛጊት ካብኣቶም ባይደን ክትካእ ኣለዎ ዝበለ የሎን። ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ወግዓዊ ተወዳዳሪኡ ቅድሚ ምቕራቡ ባይደን ካብቲ ውድድር ክስሕብ ትጽቢት ይግበሮ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ቨርጂንያ ዝሰርሕ ላሪ ሳፔቶ፡ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ናብ ዋይት-ሃውስ ከይዶም፡ ባይደን ካብቲ ውድድር ንኽስሕብ ከእምኑዎ ኣድላዪ ምዃኑ ይኣምን። እቲ ስራሕ ቀሊል ኣይኰነን ዝበለ ሳፔቶ፡ ንባይደን ጥራይ ዘይኰንስ እንኮላይ ንበዓልቲቤቱ ጂል ባይደንን ናይ ምእማን ስራሕ’ውን ማዕረኡ ከቢድ ምዃኑ ይዛረብ።
ድሕሪ’ቲ ክትዕ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ በዓልቤታ ጽቡቕ ከም ዝተዋጻአ’ያ ጂል ተዛሪባ። ንኣመሪካ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ በዓልቤታ ምዃኑ’ውን ትነግር።
"ኣብ ክትዕ ከም ዝረኣኹሞ፡ ሕጂ’ውን እቲ ንኽመርሕ ብቕዓት ዘለዎን ንስለ ሓቂ ዝቐውምን ጆ ባይደን’ዩ። ትራምፕ ኵምራ ሓሶት’ዩ ዝድርድር ነይሩ።”
ብኣገልግሎት ዜና ሲቢኤስ (CBS) ድሕሪ’ቲ ክትዕ ኣብ ዝተኻየደ ዳህሳስ ህዝቢ፡ ኣብቲ ዳህሳስ ዝተሳተፉ ደሞክራሲያውያን ምርጫኦም ባይደን ምዃኖም’ዮም ደጊሞም ኣመልኪቶም።
ተመራመርቲ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ግን ኣድመጽቲ ኣብ ዝነበረ ክትዕ ተመርኲሶም ጥራይ ድምጾም ከም ዘይህቡ’ዮም ዝኣምኑ።
ኣባላት ኮሚተ ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ድሕሪ’ቲ ክትዕ ዕጹው ኣኼባ ገይሮም ነይሮም። ገለ ካብቶም ተሳተፍቲ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ከም ዝሓበሩዎ ከኣ ንባይደን ዘለዎ ድጋፍ ብምርኣይ፡ ኣብቲ ምርጫ ክዕወት ምዃኑ እምነቶም ገሊጾም። ብዛዕባ ኣብቲ ክትዕ ኣዕጋቢ ውጽኢት ከም ዘይነበሮ ግን ኣብቲ ዕጹው ኣኼባ ኣይተዘርበን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቅጥዒ