ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ናብ እስራኤል ክበጽሑ መደብ ከምዘሎ ሚ/ጉ/ወ ገሊጾም


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ቤንጃሚን ነተንያሁ ንምዝርራብ ጽባሕ ረቡዕ ናብ እስራኤል ይኸይድ ኣሎ። ነቲ ምብጻሕ ሎሚ ሰሉስ ወግዓዊ ዝገበረ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንተኒ ብሊንከን ምስቲ ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ንልዕሊ ሸውዓተ ሰዓታት ድሕሪ ምዝርራቡ`ዩ።

ብኻልእ ወገን ቻይና ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ ንኽግበር ድፍኢት ንምግባር ፍሉይ ልኡኻ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ትሰድድ ኣላ።

እስራኤል ትማሊ ሰኑይ`ውን ኣብ ቓዛ ደብዳብ ነፈርቲ ከተካይድ ውዒላ`ላ። እቲ ደብዳብ ዝስማዕ ዘሎ ነቶም ኣብቲ ግጭት ተቐርቂሮም ዘለዉ ሰለማውያን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሖም ጻዕሪ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን`ዩ።

ምስ መራሕቲ ማእከላይ ምብራቕ ክራኸብ ዝቐነየ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ትማሊ ሰኑይ ምስ ሰበ-ስልጣን እስራኤል ተራኺቡ: ተዘራሪቡ።

ኣንተኒ ብሊንከን“ኣመሪካን እስራኤልን ሰብኣዊ ረድኤት ክበጽሓሉ ኣብ ዝኽእል ኣገባብ ተሰማሚዐን ኣለዋ። ከምኡ`ውን ሲቪላት ካብ መንቀራቕሮ ኲናት ዝወጽሉ ተኽእሎ ንምፍጣር ንሰርሕ ኣለና። ረድኤት ናብ ቓዛ ብዝቐልጠፈ ክኣቱ ኣዝዩ ኣገዳሲ`ዩ”ኢሎም።

ቻይና ብወገና ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ዝግበረሉ ኩነታት ንምፍጣር ፍሉይ ልኡኽ ናብቲ ዞባ ትልእኽ'ላ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ ኣብ መወዳእታ`ዚ ወርሒ ዋሺንግተን ክበጽሕ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን፡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ብስልኪ ኣዘራሪብዎ ኔሩ። ምኽንያቱ እቲ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ምስ ናይ ኢራን መዘንኡ ዝሓለፈ ሰንበት ተዘራሪቡ ኔሩ። ኣመሪካ: ኢራን ኮነ ካልኦት ሃገራት ንግጭት ሓማስን እስራኤልን ከይምዝምዛ ክተጠንቅቕ ጸኒሓ`ላ።

ሕጂ ኣመሪካ ንቻይና ትምሕጸና ዘላ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዋ ጽልዋ ተጠቒማ መንግስታት ይኹኑ ጉጅለታት ንእስራኤል ከይጥቅዑን ነቲ ምስ ሓማስ ትገብሮ ዘላ ኲናት ንከይጋፍሕዎን ንምክልኻል`ዩ።

ቻይና ድማ ምስ ኢራን ምውቕ ምሕዝነት ኣለዋ። ዝሓለፈ መጋቢት ኣብ መንጎ ኢራንን ስዑዲ ዓረብን ንቡር ምሕዝነት ክምለስ ሸምጊላ`ያ ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ዳኒኤል ከርፅ ከምዚ ይብል፡“ቻይና ምስ ክልቲአን ሃገራት ዘለዋ ምሕዝነት ተጠቒማ ክተቀራርበን ክኢላ`ያ። ቻይና ኣገዳሲ ቁጠባዊ ረብሓታት`ውን ኣለዋ። ምስ ኢራን ነዊሕ ዝጸንሐ ኩንትራት ነዳዲ ኣለዋ። ንውሕስነት ሰደድ ጋዝን ነዳድን ክትብል `ውን ኣብቲ ከባቢ ሓይሊ ባሕሪ ኣለዋ ስለዚ ብቁጠባዊ ኮነ ብወተሃደራውን ዲፕሎማሲያውን መዳያት ፡ ተራ ቻይና እንዓበየ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።"

ገለ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ሕጂ፡ ቻይና ኣብ ጉዳይ እስራኤልን ሓማስን ዘላቒ ፖለቲካዊ መዓልቦ ክተናዲ`ያ ዝብል ነገር ሓቅነቱ የጠራጥሮም ።ኢራን ደጋፊት ሓማስ`ያ ቻይና ድማ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝፍጸም መጥቃዕቲ እንተኾነነት`ኳ፡ ንሓማስ ነጺላ ኣይኮነነትን።

ብዛዕባ`ዚ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ቻይና ኒኮላስ በርንስ ከምዚ ይብል፡“ሓማስ ንፍታሕ ምምስራት ክልተ መንግስታት ኣይቅበልን፡ ንመንግስትነት እስራኤል`ውን ኣይቅበልን። ሓማስ ንእስራኤል ንምድምሳስን ንእስራኤላውያን ንምቕታልን ዝብል መምርሒ`ዩ ዘለዎ። ሕጂ ክንርእዮ ንደሊ ቻይና ሓቀኛ ሸምጋሊት እንተኾይና`ዩ።"

ቻይና ኣብዚ ሰሙን`ዚ ንዋዕላ ተበግሶ በልት ኤንድ ሮድ ካብ 130 ሃገራት ዝመጹ ሰበ-ስልጣን ተቐቢላ`ላ። ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን`ውን ኣብቲ ዋዕላ ንምስታፍ ሎሚ ቤይጂንግ ኣትዩ'ሎ። በይጂንግ ኣብ ኲናት ሩስያን ዩክሬንን`ውን ሽምግልና ክትኣቱ ትሰርሕ ከምዘላ ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG