ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ናይ ሓደ ትሪሊየን ዶላር ወፃኢ ክፍርሙ እዮም


President Joe Biden
President Joe Biden

ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ዘይሻራዊ ናይ ሓደ ትሪሊዮን ዶላር ናይ መሰረተ ልምዓት ወፃኢታት ሎማዕንቲ ሶኑይ ክፍርሙ እዮም።ንእዋርሕ ዝተኻየደ ድርድር ስዒቡ ኮንግረስ ድሕሪ ምፅዳቑ እዩ።

እቲ ግዙፍ ወፃኢ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ዝኣረጉ መንገድታትን ድልድላትን፣ኣገልግሎታት ባቡርን ናይ ህዝቢ መጎዓዚያን ንምስፋሕ ዝውዕል እዩ።

ዋይት ሃውስ ከምዝሓበሮ እቲ ስነስርዓት ፊርማ ካብ ክልቲኦም ዴሞክራትን ሪፓብሊካዊያንን ዝኾኑ ኣማሓደርቲ ክፍለግዝታት፣ከንቲባታትን መራሕቲ ማሕበራትን ንግድን ኣብ ዝርከብሉ እዩ ክፍፀም።

ዝተሓተ ኣታዊ ኣብ ዝርከብሉ፣ኣብ ገጠር ከባቢታትን ናይ ነገድ ማሕበረሰባትን ዘሎ ናይ ብሮድባንድ ኢንተርኔት ተበፃሕነት ክፍተት ንምፅባብ ቢሊዮናት ዶላር ወፃኢ ምግባር ዝሓወሰ እየ።

XS
SM
MD
LG