ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባይደን ንንድፊ ክልከላ ቲክቶክ ናብ ሕጊ ፈሪሙ


ፋይል
ፋይል

ብቻይናዊ ትካል ባይትዳንስ (ByteDance) ዝውነን ማሕበራዊ መራኸቢ ቲክቶክ፡ ንምኽልካሉ ወይ ድማ እቲ ትካል ብርኩ ክሸይጥ ዝብል ከከራኽር ዝጸንሐ ሎሚ ረቡዕ ፕረዚደንት ባይደን ሕጊ ንምዃን ከቲሙዎ። እቲ ሕጊ ቲክቶክ ብርኩ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ኣዋርሕ ናብ ካልእ ሃገር ክሸይጥ ንሱ እንተ ዘይኰይኑ ግን ኣብ ኣመሪካ ክኽልከል ዘኽእል’ዩ።

እዚ ብተወካሎ ህዝቢ ዝጀመረ መስርሕ፡ ሰነት ኣመሪካ ብኣዝዩ ዓብላሊ ድምጺ ኣጽዲቑ ናብ ፕረዚደንት ትማሊ ሰሉስ’ዩ የሕሊፉዎ። ፕረዚደንት ባይደን ድማ ሎሚ ረፋድ ነቲ ረቂቕ ፈሪሙ ናብ ሕጊ የሕሊፉዎ ኣሎ።

ትካል ቲክቶክ ነቲ ተግባር ኣንጻር መሰላት ኣመሪካ’ዩ ክብል ተቓውሞኡ ብምስማዕ፡ ናይ ኣመሪካውያን ውልቃዊ ሓበሬታ ከም ዘይዕድን ደጋጊሙ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG