ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባይደን 4.28 ቢልዮን ዶላር ውንዙፍ ዕዳ ተመሃሮ ሰሪዙ


ፕረዚደንት ባይደን
ፕረዚደንት ባይደን

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ እዋን ምምሕዳሩ፡ ሎሚ ዓርቢ ናይ 4.28 ቢልዮን ዶላር ውንዙፍ ዕዳ ተመሃሮ ኣመሪካ ንኽዝረዝ ትእዛዝ የሕሊፉ። በዚ ናይ ሎሚ ምሕረት ዕዳ ኣስታት 55-ሽሕ ኣመሪካውያን ተጠቀምቲ ክዀኑ’ዮም።

ካብ ዋይት-ሃውስ ዝተዘርግሐ ናይ ጽሑፍ መግለጺ “እዚ ዓቢ ምሕረት ዕዳ ንመምሃራን፡ ነርሳት፡ ኣብ ውትህድርና ዘገልገሉ፡ ሰራሕተኛታት ስርዓተ ሕጊን ካልኦት ምሉእ ኣበርክቶ ንህዝባዊ ኣገልግሎት ዝሰርሑ ዜጋታት ክውዕል’ዩ፡” ኢሉ።

ነቲ ምምሕዳሩ ንምብጻሕ ትምህርቲ ናብ ዝሰፍሐ ኣካል ሕብረተሰብ ዝተኸተሎ ፖሊሲ ብምጥቃስ ፕረዚደንት ባይደን፡“ካብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ምምሕዳረይ፡ ዕድል ላዕለዋይ ትምህርቲ ናብ ዝለዓለ ጽፍሒ መነባብሮ ንምጽንባር እምበር ናብ ዕዳ ዘምርሕ ከም ዘይከውን መብጽዓ ኣትየ ነይረ፡” ኢሉ ።

ናይ ሎሚ ዓርቢ ምሕረት ዕዳ ተመሃሮ ሓዊሱ፡ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ብድምሩ ን180 ቢልዮን ዶላር ዝበጽሕ ዕዳ ተመሃሮ ምስራዙ፡ ንሚኒስተር ትምህርቲ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣመልኪቱ።

ኣብ ኣመሪካ ላዕለዋይ ትምህርቲ ንምክትታል ንዓመት ካብ 10 ክሳብ 70-ሽሕ ዝበጽሕ ኰይኑ፡ ብመሰረት ትካል መጽናዕቲ ፒው ዝገበሮ ዳህሳስ ድማ፡ ሓደ ካብ ኣርባዕተ ኣመሪካውያን ትሕቲ 40 ዓመት፡ ካብ 20 ክሳብ 25 ሽሕ ዶላር ዕዳ ትምህርቲ ከም ዘለዎ ይሕበር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG