ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ባይደን ሎሚ ምሸት ዓመታዊ መደረኦም ከቕርቡ'ዮም


ሎሚ ሓሙስ ኣብ ኣመሪካ “State of the Union” ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ዓመታዊ መደረ ፕረዚደንት ዝቐርበሉ ምሸት’ዩ። ወዲ-81 ዓመት ፕረዚደንት ባይደን ኣብዚ ናይ ሎሚ ምሸት መድረኦም ኣብ ጉዳያት ቍጠባ፡ ጉዳይ ስደተኛታትን ውግእ ዩክሬንን እስራኤልን ኣመልኪቶም ክዛረቡ ትጽቢት ይግበር።

ናይ ሎሚ ዓመታዊት መደረ ፕረዚደንት ባይደን፡ ንዝሓለፈ ናይ መሪሕነት ግዜን ንወፍሪ ዳግመ-ምርጫ ድማ ድልውነቱ ዘረጋግጸላን ዕለት’ያ። መሰል ፍርያምነትን ምንጻል ጥንሲን፡ ኣብ ኣመሪካ ዓቢ ኣቓልቦ ሒዙ ዘሎ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ከምኡ’ውን ብጽቡቕን ሕማቕን ንምምሕዳሩ ጸልዩዎ ዘሎ ኲናት ዩክሬንን እስራኤልን ካብቶም ዝጥቀሱ ቀንዲ ዛዕባታት ምዃኖም ኣይተርፎምን።

እዘን ካልእን ከም መራሒ ሃገር መጠን ነዊሕ ዝዳለወሉን ዝሰርሓሉን ስለ ዝዀነ ክንድቲ ኣጸጋሚ ኣይክኸውንን’ዩ። ካብ ተቓውሚ ሰልፊ ወይ ድማ ተወዳዳሪ ዘይኰነስ ካብ ገዛእ-ርእሱ ዝነቅልን ኣመሪካውያን ክሰግሩዎ ዘጸግሞም ዘሎን ግን ሓደ ዓቢ ማሕንቖ ኣሎ።

ክሪስ ጃክሰን ኢፕሶስ ንዝብል ትካል ዳህሳስ ህዝቢ ብምኽትል ፕረዚደንትነት ዝመርሕ’ዩ።“ህዝቢ ኣመሪካ ዝግደሰሉ ሓደን ዓቢን ነጥቢ ኣሎ። ንሱ ድማ ዕድመ ፕረዚደንት ባይደን’ዩ። እዚ ድማ ንዳግመ-ምርጫ ኣብ ዝብገሰሉ ዘሎ እዋን ዝቐርብ ዝዓበየ ማሕንቖ መሲሉ ይስመዓኒ።”

ቤተ-መንግስቲ ዋይት-ሃውስ ፕረዚደንት ባይደን ኣብዚ ናይ ሎሚ ምሸት ዓመታዊ መደረኡ ኣብ ምንታይ ከም ዘተኵር ንድምጺ ኣመሪካ ኣካፊሉ ኣሎ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ጆን ኪርብይ “ነዚ ኣጋጣሚ ምስ ህዝቢ ኣመሪካ ክራኸብ፡ ንኣባላት ባይቶ ብግልጺ ክዛረብ፡ ከምኡ’ውን ንዓለም ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ዝሰርሖ ብሉጽ ዕዮ ከካፍል ተሃንጥዩ ኣሎ። ካብ መንጎኦም ጉዳይ ትምህርቲ፡ ኵነታት ጽላት ጥዕናን ቍጠባን ከጠቓልሉ’ዮም። እዚ ኣጋጣሚ ድማ ኣመሪካ ኣብ ዓለም መሪሕ ተራ ከም ዘለዋ ደጊማ እተረጋግጸሉ እዋን’ዩ።”

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ፖሊሲ ምምሕዳሩ ኣተኲሩ ክዛረብ ምዃኑ ተንተንቲ ይግምቱ። እንተዀነ ነቶም ዝምርሓሎም ፖሊሲታት ከመይ ከም ዘቕርቦምን ካብ ህዝቢ እንታይ ዓይነት ግብረ-መልሲ ከም ዝመጽኦን ንምሸት ዝግደፍ ሕቶ’ዩ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ቴክሳስ ናይ ኦስቲን ዝምህር ጀረሚ ሱሪ ካብ ናይ ዝሓለፈ እዋን ተመርኲሱ፡ ሓይሊ ባይደን ንዝመጽእ ግብረ-መልሲ ኣብ ዝህቦ ምላሽ ምዃኑ ይሕብር። ካብ ተቓዋሚ ሰልፊ ርፓብሊካውያን ንዝወርዶ ከቢድ ነቕፌታ ድማ ብሕጫጨ፡ ዋዛን እስትሕቃርን ከም ዝመለሰ ይሕብር። እቲ ኣገባብ ድማ ዕዉት ምንባሩ ይጠቅስ።

ተንተንቲ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ምሸት ዓመታዊ መደረ ፕረዚደንት ባይደን፡ ቤተ-ሰብ ብሓማስ ዝተጨውዩ ዜጋታት ኣመሪካ ካብ መንጎ ዕዱማት’ዮም። እዚ ከኣ ኣብ ጉዳይ ቅልውላው ማእከላይ ምብራቕ ኣተኲሩ ክዛረብ ምዃኑ ዘምልክት’ዩ ይብሉ።

መሪሳ ኩርማ ኣብ ማእከል መጽናዕቲ ማእከላይ ምብራቕ ዊስኮንሰን ዳይረክተር’ያ፡ “ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዝነበሩ ዓመታዊ መደረታት ዳርጋ ናብ ዘቤታዊ ጉዳያት ዘተኵሩ’ዮም ነይሮም። ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ብናይ ውሽጢ ከም ዝጽለዉ ኣየካትዕን። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምሸት ግን ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ መደረ ፕረዚደንት ባይደን ዓቢ ስፍራ ክሕዝ ምዃኑ እግምት። ብዙሓት ዜጋታት ከኣ ከምኡ ክኸውን ክጽበዩ’ዮም።”

ንዳህሳስ ርእይቶታት ህዝቢ ብቐረባ ዝከታተሉ ዘለዉ ከም በዓል ክሪስ ጃክሰን ግን ኣብዚ ናይ ሎሚ ምሸት መደረ ባይደን ክዋጽኦ ዘድልዮ ካልእ ወሳኒ ኵርናዕ ከም ዘሎ ይኣምኑ። ንሱ ድማ ኣንጻር ዶናልድ ትራምፕ ይገጥም ስለ ዘሎ፡ ኣብዚ ዝመጽእ ምርጫ ክስዕሮ ከም ዝኽእል ንሰዓብቱ ምእማንን ርእሰ-ተኣማንነት ምንባርን’ዩ።ክሪስ፡ ኣብ ጉዳያት ኣተሓሕዛ ስደተኛታት፡ ቍጠባን ካልኦትን ዝወሰዶም ፖሊሲታት ቅኑዓት ምንባሮምን ምዃኖምን ከእምን ከድልዮ’ዩ ይብል።

ብዙሓት ካብዞም ተንጠልጢሎም ዘለዉ ሕቶታት ንምሸት ዝግደፉ’ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG