ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ባይደን ንቁጽሪ ሓተቲ ዑቕባ ዶብ ሜክሲኮ ዝድርት ትእዛዝ ፈሪሞም


ፕረዚደንት ባይደን ንቁጽሪ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዶብ ሜክሲኮን ኣመሪካን ዝድርት ትእዛዝ ትማሊ ሰሉስ 5 ሰነ 2024 ፈሪሞም።

ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ቐይድታት ዘንበሩ ኣብ ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ዘሎ ኩነታት ሓተቲ ዑቕባ ንምቁጽጻሩ ንምሕጋዝ ምኻኑ ሓቢሮም ኣለው።

ማሕበር ሲቪል ሓርነታት ኣመሪካ ነቲ ናይ ባይደን ኣብ ዶብ ብኡንብኡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝትግበር ቐይድታት ብምቅዋም ክሲ ከም ዝምስርት ኣፍሊጡ'ሎ።

ባይደን ነቲ ትእዛዝ ትማሊ ሰሉስ ዝፈረሙ ዋይት ሃውስ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ጉዳይ ስደተኛታት ፖለቲካዊ ክሳራ ከይኾኖ ንምእላይ'ዩ።

እዚ ትእዛዝ ፕረዚደንት ባይደን ስደተኛታት ኣብ ዶባት ዑቕባ ከይወሃቦም ዝኽልክል እዩ። ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ እቲ ደቡባዊ ዶብ ብስደተኛታት ከዕለቕልቕ'ዮ ዝብል እምነት ኣለዎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG