ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ግብጺ ንዶብ ቓዛ ክኸፍቶ ከም ዝተሰማምዐ ፕረ.ባይደን ኣፍሊጦም


ፕረዚደንት ባይደን
ፕረዚደንት ባይደን

ፕረዚደንት ባይደን ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል-ሲሲ ብተሌፎን ከምዝተዘራረቡን፡ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጸዓና 20 መካይን ብዶብ ግብጺ ናብ ቓዛ ክኣትዋ ከም ዝተሰማምዑን ኣፍሊጦም።

ኣል-ሲሲ ኣዝዩ ተሓባባራይ ኔሩ ከምኡ`ውን ኔታንያሁ ዝበሉ ፕረዚደንት ባይደን፡ እተን ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ክሳብ ጽባሕ ዓርቢ ናብ ቓዛ ክሰግራ ከም ዝኽእላ ኣፍሊጦም ኣለው።

ፕረ.ጆ ባይደን ሎሚ ምሸት ብዛዕባ መጥቃዕቲ ሓማስን ግብረ-መልሲ እስራኤልን ንኣመሪካውያን መደረ ከስምዑ'ዮም፡ረድኤት ናብ ቓዛ ምእታው ካብ ቀንዲ ዕላምኦም ምንባሩ'ውን ተጠቒሱ`ሎ።

ግልጺ ዘይኮነ ዘሎ ግን ድሕሪ ናይ እስራኤል ዑደትን ኣብ ዮርዳኖስ ምስ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ክራኸቡ ዝነበረ መደብ ድሕሪ ምፍሻሉ መደረ ፕረዚደንት ባይደን ማዕረ ክንደይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ጽልዋ ይህልዎ ዝብል`ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG