ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባይደን ወፍሪ ምረጹኒ 2024 ጀሚሮም


ፕረዚደንት ባይደን ጎስጓስ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2024 ሎሚ ሰሉስ ጀሚሮም። ብወፍሪ ምርጫ ቤት ጽሕፈቶም ዝወጽአ ቪድዮ ከም ዘመልክቶ፡ እቶም ፕረዚደንት ነቲ ዝጀመሩዎ ስራሕ ክፍጽሙ ህዝቢ ተወሳኺ ግዜ ክህቦም ተማሕጺኖም።

ፕረዚደንት ባይደን ንሰልፊ ደሞክራት ወኪሎም ይወዳደሩ ምህላዎም፡ ካብቲ ፓርቲ ካልእ ተወዳዳሪ ክመጽእ ዘለዎ ተኽእሎ የንእሶ’ዩ።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብዚ ፈላሚ መላለዪ ወፍሪ ምርጫ፡ ኣመሪካ ንደሞክራሲ፡ ናጻ ሕርያን ድምጾም ክህቡ ጸዊዖም።

ፕረዚደንት ባይደን ቃለ-ማሕላ ኣብ ዝፈጸሙሉ እዋን፡ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ እቶም ብዕድመ ዝዓበዩ ፕረዚደንት’ዮም ነይሮም። ኣብ ዝመጽእ ምርጫ 2024 ምስ ዝዕወቱ ድማ ሓድሽ ዘመን ስልጣኖም ክጅምሩ እንከለዉ ወዲ 82 ዓመት ክዀኑ’ዮም።

ዕድመኦም ኣብ ግምት ብምእታው እቶም ፕረዚደንት ንዝመጽእ ምርጫ ኣይክወዳደሩን’ዮም ዝብል ሰፋሕቲ ግምታት’ውን ጸኒሑ’ዩ።

XS
SM
MD
LG