ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ መጀመሪያ እዚ ሰሙን ንወዶም ሃንተር ባይደን ምሕረት ምሃቦም ንኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ንዓመታት ክኸፋፍል ዝፀንሐ ፖለቲካዊ ፍፃመ ከብቕዕ ጌሩ'ዩ።
ምምሕዳሮም ሰሙናት ጥራሕ ኣብ ዝተረፈሉ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንወዶም ሃንተር ይቕሬታ ገይረምሉ። ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ ሃንተር ዘይሕጋዊ ብረት ብምሓዝን ግብሪ ብምትላልን ዝብል ካብ ዝቐረበሉ ክሲ ነፃ ንዝገብር ውሳነ ተኸላኺሉ'ሎ።
ቅጥዒ