ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባደይን ንዋዕላ ዴሞክራሲ ከፊቶም


ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን መራሕቲ ዓለም፣ ስቪል ማሕበረሰብን ናይ ውልቂ ዘፈርን ንዴሞክራሲዊያዊ ተሃድሶ ንምስጓምን ሎሚ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ዘጋጠምዎም ዓበይቲ ስግኣታት ብሓባር ንምፍታሕን ናብ ሓደ ዘምፅአ ናይ ኢንቴርኔት\ቨርችዋል\ ዋዕላ ከፊቶም።

ፕሬዝዳንት ባይደን ኣብ መኽፈቲ እቲ ዋዕላ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ‘’ዴሞክራሲ ሻምፒዮናት ይደሊ ስለዝኾነ ነዚ ጉባኤ ክእንግድ ደልየ’’ኢሎም። ‘’ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ንሕናን ኩሉን ዝፈልጦ ዴሞክራሲና ንምሕዳስን ዴሞክራሲያዊ ትካላትና ንምሕያልን ቀፃሊ ፃዕሪ የድልዮ’’ ኢሎም ብምውሳኽ።

ፅባሕ ዓርቢ ዝቕፅል ጉባኤ ውልቀ መለኽቲ መንግስታት እናወሰኹ ይኸዱ ኣብዘለውሉ እዋን ባይደን ኣብ ዙሪያ ዓለም ዴሞክራሲ ንምሕያል ናይ ዝኣተውዎ መፅብዓ ኣካል እዩ።

ሸቶ ናይቲ ዋዕላ ዴሞክራሲ ንምሕያል፣ምልክነት ንምክልኻል፣ ግዕዝይና ንምፍታሕን ሰብኣዊ መሰላት ንምስጓምን እዩ።

ብመሰረት ምምሕዳር ባይደን መራሕቲ ትርጉም ዘለዎ ውሽጣዊ ምምሕያሽ ንምግባር ጭቡጣት ስጉምታት ክወስዱ ክተባብዑ እዮም።ካብቶም ተሳተፍቲ ክንደይ ነቲ መፅብዓ ናብ ተግባር ክትርጉምዎ ንፁር ኣይኮነን።ዝኣትዎም መፅብዓታት ክፍፅሙ ዘገድ ድ ሕጊ ግን የለን።

‘’እቲ ኣጀንዳ እንተርኢና ብሓቂ ረቂቕ እዩ’’ኢላ ኣብ ኮለጅ ወለስለይ ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ሳይንስ ስቴሲ ጎዳርድ።ንሳ ኣብ ናይ ምርጫ ፀጥታ ምስራሕ ሓዊሱ ተወሳኺ ጭቡጥ ኣሰራርሓ ክትሪ ትደሊ።

ኣብ ካርነጂ ኢንዶመንት ንዓለምለኸ ሰላም ላዕለዋይ ክኢላ ስቲቨን ፈልድስተይን እቲ ኣኼባ ካብ ምምሕዳር ፕሬዝዳንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣዚዩ ዝተፈለየ ምዃኑ ዝሕብር እዩ ይብል።

ኣብ ናሽናል ኢንደውመንት ንዴሞክራሲ ምኽትል ፕሬዝዳንት ክርስቶፈር ዎከር ሸቶ ናይቲ ዋዕላ ኣብ መንጎ መንግስታትን ስቪል ማሕበረሰብን ኣብ ጉዳያት ስግረዶብ ግዕዝይና ሓዊሱ ምትሕብባር ምትግባር እዩ ይብል።

ነፃ ዴሞክራሲ፣ድኹም ዴሞራስን መለኽቲን ሓዊሱ ልዕሊ 100 ሃገራት ክሳተፉ ተዓዲሞም ኣለው።

ብመሰረት ፍሪደም ሃውስ ዴሞክራሲ ኢንዴክስ 77 ዝተዓደማ ሃገራት ‘’ነፃ’’ወይ ‘’ሙሉ ዴሞክራሲያዊያን’’፣31 ድማ ‘'ብከፊል ነፃ’'ን ሰለስተ ‘'ነፃዘይኮና’’ን እየን።

እዘን ብፍሪደን ሃውስ ‘’ነፃ’’ዘይኮና ተባሂለን ዝተመደባ ሰለስተ ሃገራት ዒራቕ፣ኣንጎላን ዴሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎን እየን።

ዝርዝር ናይተን ዝተዓደማ ሃገራት ሕቶ ኣልዒሉ ኣሎ።ገሊአን ሃገራት ተዓዲመን ገሊአን ስለምንታይ ኣይተዓደማን ብዝብል።

ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ጀን ሳኪ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ እቲ ዕድመ ናይ ኣሜሪካ መረጋግፂ ማሕተም ማለት ኣይኮነን ኢለን።

‘’ዝኾነ ይኹን ዴሞክራሲ በከይዲ ኣብ ስራሕ ዘሎ እዩ።ንዝተሳተፉ ከም ኣወንታ ዘይተሳተፉ ድማ ብኣሉታ ንምድቦም ኣለና ማለት ኣይኮነን።ዝተፈላለይ ድምፂ ንምስታፍ እዩ ድልየትና’’ይብላ።

እቲ ምምሕዳር ንኣዚየን ኣናእሽቲ ሃገራት ዓዲሙ ኣሎ።ትሕቲ ሓደ ሚሊየን ህዝቢ ዘለወን ኣስታት 30 ሃገራት ይሳተፋ ኣለዋ።

እቲ ጉባኤ ብቀንድነት ዓለም ኣንፃር ሩሲያን ቻይናን ንምትእኽኻብ ተዘይኮነ እውን ባይደን ኣንፃር ይውስኽ ዘሎ ፅልዋ ምልክነት ሩሲያን ቻይናን ደግፍ ንምርካብ ዕድል ዝህቦም እዩ ትብል ጎዳር።

‘’ልስልስ ብዝበለ ኣገላልፃ ወይ ምስና ኢኻ ወይ ድማ ኣንፃርና ኢኻ ማለት እዩ’’ትብል ወሲኻ።እዚ ኣቀራርባ እዚ ቁጠባዊ ብልፅግንአን ኣብ ቻይና ዝተመስረታ ደቡብ ኮሪያን ጀርመንን ሓዊስካ ንገለ ሃገራት ምቾት ኣይሃበንን ዘሎ።ታይዋን ምዕዳማ ንቻይና ቁጥዐ ዝፈጥር እዩ።

እቲ ኣኼባ ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ ሓደ ማዕልቲ ትማሊ ረቡዕ ንቪኦኤ ብድምፂ ክዛረብ ዘይደለየ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ፓኪስታን እስላማባድ ንፖሊሲ ሓንቲ ቻይና ስለ እትድግፍ ናይ ታይዋን ምስታፍ ድማ ነዊ ንዝፀንሐ መርገፂኣ ዝፃባእ ስለዝኾነ ኣብቲ ኣኼባ ኣይክትሳተፍ እያ ኢሉ።

ኣምባሳደራት ሩሲያን ቻይናን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፀሓፉዎ ሪኢቶ እቲ ዋዕላ ኣብ ዓለም ሓዱሽ ናይ ምክፍፋል መስመር ዝፈጥር ናይ ‘’ዝሑል ኵናት ኣተሓሳስባ’’ክብሉ ነቒፎምዎ።

ነዚ ነቐፌታ መልሲ ዝሃባ ሳኪ ኣሜሪካ ኣብ ዙሪያ ዓለም ዴሞክራሲ ክትርንዕ ምስርሓ ክትቕፅል እያ ኢለን።

ብመሰረት ዓለምለኸ ኢኒስቲትዩት ንዴሞክራስን ሓገዝ ምርጫን ኣብ ሕዳር ዝወፀ ናይ 2021 \ፈ ፀብፃብ ኣሜሪካ ንፈለማ ግዜ ‘’ብዴሞክራሲ ንድሕሪት ሸተት’’ ዝበለት ዝብል ሽም ተዋሂቡዋ ኣሎ።

ገለ ሰባት ኣሜሪካ ነዚ ዋዕላ ክተካይድ ሞራላዊ ብቕዓት ዘለዋ እንተኾይኑ ይሓቱ።

እቲ ምምሕዳር ግን ፍፁም ዘይምኻኑ ኣፍልጦ ምሃብን ብግልፂ ክትገጥሞ ምፍታንን ናይ ዴሞክራሲ ፍሉይ ጥንካረ እዩ እዚ ዋዕላ እዚ ድማ መርኣያ ናይዚ እዩ ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ባደይን ንዋዕላ ዴሞክራሲ ከፊቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:20 0:00


XS
SM
MD
LG