ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖለቲካዊ ጉዕዞን ራእይን ጆ ባይደን


ሕጹይ ፕረዚደንት ዲሞክራቲክ ፓርቲ ጆ ባይደን ንሃገሮም ኮነ ንወጻኢ ሃገራት ዘለዎም ራእይ ካብ መወዳድርቶም ኣብ መሪሕነት ዝርከቡ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተፈልየ'ዩ ።

ኣብ ናይ ኣሜሪካ ፖለቲካዊ መድረኽ ንኣስታት ፍርቂ ክፍለ ዘመን ዝተዋስኡ ዲሞክራት ምኽትል ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን ኣብ ሳልሳይ ፈተንኦም ስልጣን ዋይት ሃውስ ንምስዓር ተኽእሎ ዘለዎምይመስል።

ቅድሚ ናይ ሎሚ ሰሉስ ምርጫ ብደረጃ ሃገር ይኹን ኣብ ወሰንቲ ክፍለ ግዝኣታት ኣብ ዝተኻየዱ ናይ ዳህሳስ መፅናዕትታት ባይደን ኣብ ስልጣን ንዝርከቡ ሪፓብሊካዊ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ይመርሑዎም ኣለው።

ተንተንቲ ባይደን ኣብ ናይዛ ሃገር ተዘዋዋሪ ቅሪፂ ዲሞክራሲ 538 ኣባላት ካብ ዝሓዘ ኤሌክትራል ኮሌጅ ወይ ናይ ምርጫ ድምፂ ዝበዝሓ ወይ 270 ድምፂ ናይ ምርካብ ዕድል ኣለዎ ይብሉ ።ብዙሕ ህዝቢ ዘለወን ክፍለ ግዝኣታት ዝበዝሐ ኤሎክቶራል ኮለጅ ኣለወን።

ባይደን ተዓዊቶም ኣብ ዝቕፅል ጥሪ ቃለ መሓላ እንተድኣ ፈፂሞም 78 ዓመት ዝዕድሚኦም መበል 46 ፕረዚደንት ክኾኑ እዮም።ኣብ ታሪኽ ናይ ኣሜሪካ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ፕረዚደንት ክኾኑ እዮም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ቃለ መሓላ ክፍፅሙ ከለው ዕድሚኦም 70 ነይሩ።ባይደን ኣብ 1988ን ኣብ 2008 ፕረዚደንታዊ ሕፁይ ዴሞክራት ንምዃን ፈቲኖም ኣይተዓወቱን።

ሰኔተር ብምዃን ን36 ዓመታት ንክፍለ ግዝኣት ዴላዌር ዝወከሉን ንሸሞንተ ዓመት ምኽትል ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ብምዃን ዘገልገሉን ባይደን ኣብዚ ናይ 2020 ሕፀ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ንልዕሊ 20 ተወዳደርቲ ስዒሮም እዮም ቀሪቦም።

ባይደን ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ታሪኽ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ዘይተለመደ ወፍሪ ኣካይዶም።

ትራምፕ በቲ ልሙድ ኣገባብ ብዙሓት ደገፍቲ ኣብ ዝተኣከቡሉ ወፍሪ ምርጫ ኣካይዶም። ብኣንፃሩ ባይደን ኣብ ናኣሽቱ መድረኻት፣ ብኽልተ ሜትሮ ርሕቐት፣ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ(ማስክ) ገይሮም ብርክት ዝበሉ ወፍርታት ኣካይዶም።

ትራምፕ ንለበዳ ቫይረስኮሮና ዝሓዝሉ ባይደን ብዘየወላውል ኣጥቒዖምዎም እዮም።ኣብ ዓለም ብብዝሒ ሞት ልዕሊ 230 ሽሕ ሰባት ብምምዝጋብ ቅድሚት ክትስራዕ ስለዝገበሩ ትራምፕ ፕረዚደንት ኮይኖም ክቕፅሉ የብሎም ክብሉ ነቒፎምዎም።

ትራምፕ ብወገኖም ባይደን ዝኸፍአ ወኪል ዋሽንግተን እዩ ክብሉ ይነቕፉዎም። ባይደን እንተድኣ ተመሪፆም መንግስቲ ዝቆፃፀሮ ሶሻሊስታዊ ፖሊሲ ጥዕና ከሰጉም እዩ ክብሉ ይምጉቱ።

ባይደን ብወገኖም መንግስቲ ንስርዓት ክንክን ጥዕና ክሕዞ ዝብል ከምዝቃወሙን ኣብ እዋንምምሕዳር ኦባማ ኣብ 2010 ዝተኣታተወ ሕጊ ክንክን ጥዕና ክመሓይሽ ክሰርሕ እየ ኢሎም።

ባይደን እንተድኣ ተመሪፆም ቤት ፍርዲ ንምምሕያሽ ዘይሻራዊ ኮሚሽን ንምሻም መደብ ከምዘለዎ ገሊፆም ኣለው።ተወሰኽቲ ለዘብተኛ ዳያኑ ብምሻም ብዝሒ ዳያኑጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ክውስኽ ብናይ ፓርቶም ገስጋሳይ ክንፊ /Progressive Wings/ ዝቐርብ ሓሳብ ደጋፊ ከምዘይኮኑ ግን ገሊፆም እዮም።

ቁፅሪ ዳያኑ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ዝቐርብ ዘሎ ኣብ ፅባሕ ትራምፕ ንፅንዕቲ ዓቃባዊት ኤሚ ኮኒ ባረት ዳኛ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ገይሮም ምሕራዮም እዩ።ናተን ብሰኔት ምርግጋፅ ዓቃባዊያን 6-3 ዓብለልቲ ክኾኑ ገይሩዎም ኣሎ።

ኣብ ኢድ ፖሊስ እናሃለወ ብዘስካሕክሕ ዝተቐትለ ፀሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ስዒቡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝተልዓለ ተቓውሞታት፣ናዕብን ህውከትን ባይደን ኣብ መንጎ ብዓሌታዊን ቁጠባዊ ማዕርነትን ናይ ገበን ስርዓት ንምምሕያሽን ዝርዝር ሓሳብ ኣቕሪቦም።

ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሰኔት ኣቦ መንበር ኮሚቴ ፍትሒ ዝነበሩ ባይደን ኮከይን ሓሽሽ ሒዞም ንዝተረኸቡ ከቢድ ማእሰርቲ ክፍርደሞን ሚዛናዊ ብዘይኮነ ንማሕበረሰብ ኣፍሪቃዊያን ኣሜሪካዊን ዝቐፅዕን ኣብ 1994 ኣ\ፈ ዝፀደቐ ፀረ ገበን ሕጊ ይቕሬታ ሓቲቶም እዮም።

ባይደን ዝዘበለ ናይ ትራምፕ ምምሕዳር ከብቅዕ ኣለዎ ክብሉ ንኣዋርሕ ወፍሪ ኣካይዶም እዮም።

ባይደን ኣብ መርበብ ሓበሬትኦም ዝዘርግሑዎ መልእኽቲ ‘'ንሕና መን ምዃንና ክንዝክር ኣለና፤ኣሜሪካዊያን ኢና፤ ብርቱዓት፣ ፅኑዓት ግን ድማ ኩሉሻዕ ሰብሙሉእ ተስፋ ኢና።ነንርእስና ብኽብሪ ብሓልዮት እንደጋገፈሉ እዋን ሎሚ እዩ።ንኹሉ ዝሰርሕ ማእኸላይ እቶት ንህነፅ። ንርእዮ ዘለና ዝገርም ስልጣን ብዘይኣገባብ ምጥቃም ክንቃለሶ ኣለና’’ ይብል ።

ንሶም ብምውሳኽ ዝበለፀ ግዜ ኣብ ቅድሜና ይፅበየና ከምዘሎ ክንፈልጥ ኣለና ኢሎም ።

ባይደን እንተድኣ ተመሪፆም ከም ናይ ፓሪስ ስምምዕ ለውጢ ኩነታት ኣየር፣ናይ ኢራን ውዕል ኒኩሌር ዝኣመሰሉ ትራምፕ ናብ ዝሰዓሩዎም ዓለምለኸ ስምምዓት ክምለሱ እዮም።

ባይደን ምኽትል ፕረዚደንት መወዳድርቶም ጓል ኣንስተይቲ ከም እትኸውን ቅድሚ ኣዋርሕብዝኣተውዎ ቃል ንሰኔተር ካማላ ሃሪስ መሪፆም።ካማላ ብደረጃ ሃገር ንዝለዓለ ስልጣን ዝቐረባ ፈላመይቲ ፀላም ጓል ኣንስተይቲን ደቡብ ኢሲያዊት ኣሜሪካዊትን እየን።

ኣብ ውድድር ምርጫ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ኣቋሪፀን ዝወፃ ካማላ ሃሪስ ወፍሪ ምርጫ ናይ ምክያድ ክእለተን ዘረጋገፃ ተወዳዳሪት እውን'የን።

XS
SM
MD
LG