ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባይደን ሃገሮም ንእስራኤል ከምትድግፍ ሓቢሮም


ፕረዚደንት ባይደን ንኩነታት ቃዛ ዝምልከት መደረ ኣብ ዝሃብሉ
ፕረዚደንት ባይደን ንኩነታት ቃዛ ዝምልከት መደረ ኣብ ዝሃብሉ

ብዛዕባ ውግእ እስራኤልን ሓማስን ካብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ንህዝቢ ኣመሪካ ብቐጥታ መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ጆ ባይደን 14 ኣመሪካዊያን ብመጥቓዕቲ ሓማስ ከምዝተቐተሉን ብሓማስ ካብ ዝተጨውዩ ዜጋታት ድማ ኣመሪካዊያን ከምዝርከቡዎምን ኣረጋጊፆም።

ንሶም ወሲኾም ኣመሪካ ንእስራኤል ኣፅዋር ከምእተቕርብ እውን ቃል ኣትዮም። በዚ መሰረት ድማ ንእስራኤል ብገንዘብ ንምሕጋዝ ንኮንግረስ ሕቶ ከምዘቕረቡ'ውን ገሊፆም።

ሓማስ ብቀዳም ኣብ ውሽጢ እስራኤል ብዝፈፀሞ መጥቓዕቲ እንተወሓደ 900 ሰባት ተቐቲሎም 2,700 ድማ ቆሲሎም እዮም።

እስራኤል ኣብ ቃዛ ብዝወሰደቶ ሕነ ናይ ምፍዳይ ወፍሪ ንልዕሊ 750 ሰባት ከምዝቐተሉ ሰበስልጣን ፍልስጤም ምግላፆም ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ፀብፂባ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG