ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባይደን፡ ጽልኢ ዘበግሶ መጥቃዕቲ ንምዕጋቱ ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዖም


ፕረዚደንት ባይደን፡ ጽልኢ ዘበግሶ መጥቃዕቲ ንምዕጋቱ ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:53 0:00

ፕረዚደንት ባይደን፡ ጽልኢ ዘበግሶ መጥቃዕቲ ንምዕጋቱ ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዖም

ፕረዚደንት ባይደን፡ ጽልኢ ዘበግሶ መጥቃዕቲ ንምዕጋቱ ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዖም። ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ፍሎሪዳ ኣብ ሓደ ድኳን ሰለስተ ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ብሓደ ጻዕዳ ድሕሪ ምቕታሎም ድሕሪ ክልተ መዓልታት ዝተዛረቡ ፕረ.ባይደን፡ ኣተሓሳስባ ዓሌታዊ ልዕልና ጸዓዱ፡ መርዛም ኣተሓሳስባ`ዩ ኢሎም።

ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ኣብ ፍሎሪዳ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣመልኪቶም ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዋይት ሃውስ ክዛረቡ ከለው፡ ስምዒት ዓሌታዊ ልዕልና ኣብ ማሕበረሰብና ብቕልጡፍ ክዓቢ ተፈቒድሉ ዝጸንሐ መርዛም ኣተሓሳስባ`ዩ ኢሎም።

ፕረ.ባይደን ኣተሓሒዞም ብመሰረት ጸብጻብ ማሕበረሰብ ስለያ ኣመሪካ፡ ዘቤታዊ ግብረ-ሽበራን ኣተሓሳስባ ልዕልና ጸዓዱን፡ ኣመሪካ ኣጋጥምዋ ዘሎ ዝኸበደ ስግኣት ሽበራ ምዃኑን፡ ስለዚ ነዚ ዝዓበየ ስግኣት ንምውጋዱ ጭቡጥ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዘለዎ ገሊጾም።

ንመበል 60 ዓመት ዝኽሪ ዝዓበየ ሰልፊ ዋሺንግተን ማለት ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝመርሖ ንመሰል ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያንን ማዕርነት ደቂ ሰባትን ዝጽውዕ ሰልፊ ንምዝካር ትማሊ ኣብ ዋይት ሃዋስ ምስ ተሓለቕቲ ሲቪላዊ መሰላትን ምስ ደቂ ማርቲን ሉተር ኪንግን ዝተራኸቡ ጆ ባይደን፡ ነቲ ኣብ ጃክሰንቪል ፍሎሪዳ ዝተፈጸመ ቕትለት እውን ዘኪሮም።

“ኩልና ብግልጺ ክንዛረብ ኣለና።ኣትሪርና ድማ ክንኩንኖ ኣለና። ናይ ጽልኢ ገበናት ኣብ ኣመሪካ ክቕጽል ከም ዘይብሉ ብዕቱብ ክንሰርሓሉ ኣለና። ጽልኣዊ ጎንጺ ኣብ ኣመሪካ ተቐባልነት የብሉን። ቅቡል ኣይኮነን።”

ባይደን ነዚ ዝበሉ ድሕሪ ክልተ መዓልታት`ቲ ኣብ ጃክሰንቪል ዝተፈጸመ ቅትለት`ዩ። ሓደ ገጹ ዝሸፈነ ጻዕዳ፡ ናብ ሓደ ጸለምቲ ዘዘውትርዎ ድኳን ኣትዩ ብተመልከተለይ ኣውቶማቲክ ብረት ናብ ጸለምቲ ብምትኳስ፡ ሰለስተ መንእሰያት ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ቀቲሉ ንባዕሉ`ውን ነብሱ ኣጥፊኡ።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ ምስ ስድራቤት ማርቲን ሉተር ኪንግን ተሓለቕቲ ሲቪላዊ መሰላትን ዘካየድዎ ርክብ፡ ኣተሓሳስባ ልዕልና ጸዓዱ መርዚ ምዃኑ እፈልጥ`የ ኢሎም።

“ኣተሓሳስባ ልዕልና ጸዓዱ መርዚ ምዃኑ እፈልጥ`የ ኢሉ። ብመሰረት ሓበረታ ትካላት ስለያ ኣመሪካ፡ ዝኸፍአ ዘቤታዊ ሽበራ`ውን እዩ። ስለዚ ስጉምቲ ክንወስደሉ ኣለና።”

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG