ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ምሰ ሰራሕተኛታት ማሕበር መኻይን ንምርኻብ ትማሊ ሓሙስ ናብ ሚሽጋን ከይዶም። እዛ ኣብ ዳግመ ምርጫኦም ኣገዳሲት ዝኾነት ግዝኣት ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም ተወላዶ ሃገራት ዓረብ ዝኾኑ ኣመሪካዊያን ዝነብሩላ ክፍለ ግዝኣት'ያ።
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ እውን ኣብ ልዕሊ ሰፋሮ ምዕራባዊ ገማግም ዝኾኑ ፍልስጤማውያን ዓመፅ ንኽለዓል ሓገዝ ንዝገብሩ ውልቀሰባት ክልከላ ንክንበር ፈፃሚ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም።
ምምሕዳሮም ከምዝበሎ እቲ ተግባር “ ኩለንተናዊ ኣካይዳ” ኣብ ቓዛ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዘንፀባርቅ ኮይኑ እዚ ድማ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ፍልስጤማውያን ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ ክዓቢ ምግባሩ ይገልፅ።
ባይደን ምስ ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣብ ዲትሮይት ዝገበርዎ ዝለዉ ዑደት ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ሻውን ፋይን ድጋፎም ድሕሪ ምግላፆም ሒደት መዓልታት እዩ።
ባይደን ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ምዕባይ ቁጠባ ኣመሪካ “ንስካትኩም ኣብ ዓለም ብሉፃት ሰራሕተኛታት ብሙዃንኩም እዩ” ኢሎም ወሲኾም ድማ “ሰራሕተኛ ፅቡቅ ክሰርሕ ከሎ ኩሉ ሰብ ዝሐሸ ይሰርሕ” ኢሎም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ 150 ዝኾኑ ሰልፈኛታት ደገፍቲ ፍልስጤም ኣብ እዋን ዑደት እቶም ፕረዚደንት ተቃውሞ ኣብ ደገ የስምዑ ነይሮም።
ባይደን ኣብ ሚሽጋን ብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብታ ግዝኣት ንዝርከቡ ማሕበረሰብ ተወላዶ ሃገራት ዓረብ ዝኾኑ ኣመሪካዊያን ኣይተራኸቡን።
እዚ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም ወሃብቲ ድምጺ ባይደን ኣብ ኲናት እስራኤል ሓማስ ንእስራኤል ብዘርኣይዎ ደገፍ ዝተበሳጨወ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለፅ።
እታ 15 ኑቑጣታት ምርጫ ዝሓዘት ሚሽጋን ኣብ ኣርባዕተ ዓሰርተ ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣብ ቀረባ ንኩሎም መንግስታዊ ብርክታት ብምቁፅፃር ግዝኣት ዴሞክራሲያዊያን ተቀይራ እያ።
ቅጥዒ