ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ንከንቲባታት'ታ ሃገር ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም


ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሎሚ ኣብ ዋይት ሃውስ ልዕሊ 250 ከንቲባታት`ታ ሃገር ተቐቢሉ የዘራርብ ኣሎ፡ እዚ አካል'ቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀዳማይ መዓልቲ ናይቲ በብዓመቱ ዝግበር ናይ ሰለስተ መዓልታት ጉባኤ'ዩ።

ብዛዕባ ንከተማታት ኣመሪካ ኣጋጢምወን ዘሎ ዝዓበየ ብድሆታት ክዝትዩ ምዃኖም ትጽቢት ይግበር፡ ካብ መንጉኡ ቅልውላው ጥዕና ኣእምሮ፡ ውሕስነት ድሕነት ህዝቢ፡ ኢሚግሬሽን፡ ጸገም ገዛን ግዳም ሓዳርነትን ዝብሉ ዛዕባታት ከልዕሉ`ዮም።

ባይደን ትማሊ ሓሙስ ካብ ኖርዝ ኮሮላይና ተመሊሱ፡ ን16,000 ሓደስቲ ኣባይቲ ስድራን ኣብያተ ንግድን ብልዑል ቅልጣፈ ኢንተርነት ንምርኻብ ናይ 82- ሚልየን ዶላር ወፍሪ ድሕሪ ምስማዕ።

ባይደን ምምሕዳሩ ኣብ ኖርዝ ኮሮላይናን ካልኦት ግዝኣታትን ልዑል ቅልጣፈ ዘለዎ ኢንተርነት ንምትእትታው ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ፡ ሰባት ካብ ገዝኦም ካብ ንግዶም ንምስራሕ ከምኡ `ውን ተመሃሮ ብኦንላይን ዝወስድዎ ትምህርቲ መታን ክሰልጦም ይብል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG