ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮ. ገቢሳ እጀታ ዝለዓለ ሽልማት ካብ ፕረዚደንት ባይደን ተቐቢሉ


ፕሮፈሰር ገቢሳ እጀታ
ፕሮፈሰር ገቢሳ እጀታ

ኢትዮጵያዊ-ኣመሪካዊ ተመራማሪ ሕርሻን ኣዝርእቲን ከምኡ’ውን መምህር ኣብ ፐርዱ ዩኒቨርስቲ ዝዀነ ፕሮፈሰር ገቢሳ እጀታ ካብ ፕረዚደንት ባይደን ሃገራዊ መዳልያ ሳይንስ ተቐቢሉ። ፕሮፈሰር ገቢሳ ነዚ ሽልማት ዘብቅዖ፡ ኣብ ምርምር መሸላን ኣብ ምምሕያሽ እቲ ዘርኢ ዝገበሮ ኣበርክቶ’ዩ።

እዚ ካብ 1985 ጀሚሩ ኣብ ኣመሪካ ፍሉይ ኣበርክቶ ኣብ ምርምርን ከምኡ’ውን ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንዝገብሩ ዜጋታት ዝወሃብ ዝለዓለ ክብሪ፡ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ትማሊ ሰሉስ 24 ጥቅምቲ’ዩ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት-ሃውስ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ተዋሂቡ።

ፕሮፈሰር ገቢሳ ካብ መንጎ’ቶም ትሽዓተ ነዚ ዓቢ ሽልማት ሳይንስ ዝበቕዑ’ዩ። ኣብቲ ናይ ትማሊ ምሸት ስነ-ስርዓት ካልኦት ትሽዓት ዜጋታት’ውን ኣብ ምርምር ቴክኖሎጂ ብዝተጻወቱዎ መሪሕ ተራ ካብ ፕረዚደንት ባይደን መዳልያ ተቐቢሎም ኣለዉ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ፕረዚደንት ባይደን፡ “እዚ ሽልማት ኣመሪካ ኣብ ምዕባለ ሳይንስን ቴክኖሎጂን፡ ከምኡ’ውን ሓደስቲ ምርምራት ኣብ ምትእትታው እትገብሮ ዘላ ግደ መርኣያ’ዩ፡” ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG