ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ባይደን ናብ ጀርመን ገይሹ`ሎ: ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ድማ ናብ ኣፍሪቃ ክገይሽ`ዩ


ፕረ ባይደን ናብ ጀርመን ኣብ ዘምርሓሉ
ፕረ ባይደን ናብ ጀርመን ኣብ ዘምርሓሉ

ፕረዚደንት ባይደን ሎሚ ሓሙስ ናብ ጀርመን ኣምሪሑእሎ፥ ጽባሕ ዓርቢ ድማ ምስ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ተራኺቡ ክዘራረብ'ዩ።

ድሕሪኡ ምስ መራሕቲ ብሪጣንያን ፈረንሳን ከም ዝራኸብ `ውን ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ`ሎ።

ጀርመን ካብ ኣመሪካ ቀጺላ ንዩክሬን ዝዓበየ ደገፍ ትገብር ምዃና ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሩስያን ናይ እሱራት ምልውዋጥ ክግበር ዝሸምገለት ምዃኑ `ውን ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ባይደን ናብ ኤውሮጳ ዝገይሽ ዘሎ፡ ስልጣኑ ዘኽትመሉ ምርጫ ኣመሪካ ሰሙናት ኣብ ዝተረፈሉ እዋን`ዩ።

እግረ-መንገዱ ድማ ምናልባት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን እንተተመለሰ እተን ሃገራት ኤውሮጳ ክዳለዋ ንምግባር`ውን ምዃኑ እቲ ዜና ይገልጽ።

ትራምፕ ምስ መሓዙት ኣመሪካ ዘይምስምማዕ ዘርኣየ ከኸውን ከሎ፡ ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ዘለዎ ኣድናቖት`ውን ገሊጹ ኔሩ`ዩ።

ፕረዚደንት ባይደን ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ ጀርመንን ኣንጎላን ክገይሽ መደብ ሒዙ`ኳ እንተነበረ ኣብ ግዝኣት ፍሎሪዳ ብዘጋጠመ ህቦብላ ማዕበል ንመገሽኡ ከም ዘቋረጹ ይፍለጥ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ኣንጎላ ክኸይድ መዲቡ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG