ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ባይደን ንዝረኣ ዓለምለኸ ስግኣት ብምጥንቃቕ ንዋዕላ ኔቶ ጀሚሮም


ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዋዕላ ኔቶ
ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዋዕላ ኔቶ

ትማሊ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ንመራሕቲ ኔቶ ዝተቐበለ ፕረዚደንት ባይደን፡ ነቲ ኣውሮጳ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ኣጋጢምዋ ዘሎ ዝለዓለ ብድሆ ንምግጣምን ሰላም ንምምጻእን ብርታዐ ከም ዘድሊ ተዛሪቡ። እንተኾነ ባይደን ኣብ ዓዱ ዘለዎ ፖለቲካዊ ክትዕ ኣብ መሪሕነት ኔቶ ጽልዋ ከምጽእ`ዩ ዝብሉ`ውን ኣለዉ።

ካልኦት ሰበ-ስልጣን ምምሕዳር ባይደን ከኣ ነቲ ምድልዳል ሓይሊ ኣንጻር ዓለማዊ ስግኣት ዝብል መጎተ ይደፍእሉ`ለዉ።

መራሕቲ ኔቶ ንመበል 75 ዓመት ምስረታ`ቲ ኪዳን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ተኣኪቦም ኣለዉ። እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ፡ ኣብ ታሪኹ ዝለዓለ ፈተና ኣጋጢምዎ`ሎ። ባይደን ሰላም ንምምጻእ ምብርታዕ የድሊ ክብል ተዛሪቡ፡-

“እናሓየልና ምኻድና ጽቡቕ `ዩ። ምኽንያቱ እዚ ዘለናዮ ታሪኽ ሓባራዊ ብርታዐና ዝጠልብ`ዩ። ኣሸበርቲ ጉጅለታት ስቓይን ህውከትን ንምፍጣር ክፉእ ውዲቶም ቀጺሎም ኣለዉ። ኣብ ኣውሮጳ ወራር ፑትን ኣንጻር ዩክሬን ቀጺሉ`ሎ። ፑትን ድማ ካብ ምሉእ ጎበጣ ዩክሬን ዝትሕት ኣይደልን`ዩ። ደሞክራሲ ዩክሬን ከም ዘብቅዕ ንምግባር፡ ባህሊ ዩክሬን ንምድምሳስ፡ ከምኡ`ውን ንዩክሬን ካብ ካርታ ንምሕኻኽ`ዩ ድልየቱ። ፑትን ኣብ ዩክሬን ጠጠው ከምዘይብል ድማ ንፈልጥ ኢና። ግን ከይትጋገዩ፡ ዩክሬን ንፑትን ጠጠው ክተብሎ ትኽእል`ያ፡ ክተብሎ እያ `ውን።"

ንመጎተ ባይደን ደጊፉ ኣብ ዋዕላ ሓለፍቲ ኢንዱስትሪ ምክልኻል ዝተዛረበ ሃገራዊ ኣማኻሪኡ ብወገኑ፡ ናይ ሮማን ምሳሌ ብምውሳድ ፡ ሰላም እንተደሊኻ፡ ንኵናት ተዳሎ ኢሉ ኔሩ።

ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽበ ዋና ጸሓፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ`ውን ንብርታዐ ኔቶ ንምጽዋዕ ግዜ ኣይወሰደን፡-

"ሓዲሽ ውዕል ኢንዱስትሪያዊ ምክልኻል ፈርሙ። እቲ ውዕል ኣብ ኣውሮጳን ሰሜን ኣመሪካ ነቲ ኢንዱስትሪ ንምሕያል ክሕግዝ`ዩ። ደረጅኡ ዝሓለወ መሃዝነት`ውን ክህልወና ይኽእል።”

ባይደን ኣብ መደርኡ እቲ ሓላፊ ኔቶ ኣብቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ዘለዎ ተራ ኣፍልጦ ብምሃብ ናይ ኣመሪካ ዝለዓለ ሰቪላዊ ሽልማት ሂብዎ።

ገለ ተንተንቲ ግን ባይደን ኣብ ውሽጢ ዓዱ ዘለዎ ፖለቲካዊ ጸገም ነቲ ኣብ ዋዕላ ኔቶ ዝህልዎ ፕረዚደንታዊ ሓይሊ ከይዳኽሞ ይሰግኡ። እዚ ማለት ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ ኣንጻር ሪፓብሊካን ሕጹይ ዶናልድ ትራምፕ ዝገበሮ ፕረዚደንታዊ ክትዕ፡ ድኹም ብቕዓት ድሕሪ ምርኣዩ ካብ ፕረዚደንታዊ ወድድር ከልግስ ጻውዒት ኣብ ዝሕይለሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ`ዩ።

ጊሰል ዶነል፡ ኣብ ኣመሪካን ኢንተርፕራይዝ ኢንስቲቱት ተንታኒት ህዝባዊ ፖሊሲ`ያ። “መሪሕነት ኣመሪካ ኣብዚ ኪዳን ዘለዎ ኣገዳስነት ዘዘኻኽረና`ዩ። ብኣመሪካ ዝተፈጥረ`ዩ። ብመሪሕነት ኣመሪካ ይሕይልን ይደክምን። ብዛዕባ መሪሕነት ኣመሪካን መራሕታን ጥርጣረታት ክመጽእ ከሎ ድማ ኣብ ኔቶ`ውን ከምኡ `ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ፕረዚደንት ኣመሪካ ሰዓል ክሓምም ከሎ፡ ኔቶ ኒሞንያ`ዩ ዝሕዞ።"

ዋዕላ ኔቶ ኣብ ትሕቲ ኣአንጋድነት ኣብ ዓዱ ፖለቲካዊ መጻብቦ ዘለዎ ፕረዚደንት ክካየድ ቀሊል ግምት ኣይኮነን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG