ዋሽንግተን —
ኬንያ፣ ኣባል ኔቶ ዘይኮነት ዋና መላፍንቲ ኣመሪካ ክትኸውን ከምዝወሰኑ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ትማሊ ሰኑይ ኣፍሊጦም።
ፕረዚደንት ባይደን፣ ናብ ፌደራላዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝላኣኽዎ ጽሑፍ "ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኣመሪካን፣ ኣብ 1961 ዓ.ም ዝጸደቀ ደገፍ ወጻኢ ክፍሊ 517ን ድሕሪኡ ዝተተግበረ ምምሕያሽን ዝተዋሃበኒ ስልጣን፣ ኬንያ ኣባል ኔቶ ዘይኮነት ዋና መላፍንቲ ኣመሪካ ክትኸውን ወሲነ ኣለኹ" ይብል።
ቅጥዒ