ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ንወታሃደራዊ ወፍሪ እስራኤል ብዝህቦ ድጋፍ ካብ ዓለማዊ መድረኽ እናተነጸለ ይኸይድ ኣሎ


ፕረ.ባይደን ንወታሃደራዊ ወፍሪ እስራኤል ብዝህቦ ድጋፍ ካብ ዓለማዊ መድረኽ እናተነጸለ ይኸይድ ኣሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:34 0:00

ፕረ.ባይደን ንወታሃደራዊ ወፍሪ እስራኤል ብዝህቦ ድጋፍ ካብ ዓለማዊ መድረኽ እናተነጸለ ይኸይድ ኣሎ

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ናብ ቓዛ ዝኣቱ ረድኤት ዝገብሮ ምውሃብ ድምጺ ዳግም ኣብ ዝተናዋሓሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ባይደን ንወታሃደራዊ ወፍሪ እስራኤል ብዝህቦ ድጋፍ ካብ ዓለማዊ መድረኽ እናተነጸለ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉ መረጽቱ `ውን እንተኾነ ኣብቲ ኲናት ብዘለዎ ኣተሓሕዛ እናነቐፍዎ ይኸዱ`ለዉ፡፡

ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ-ስልጣን ፍልስጤማውያን ኲናት ቓዛ ካብ ዝጅመር ኣብ ውሽጢ 10-ሰሙናት 20-ሺሕ ህዝቢ ሃሊቑ።

ናብ ቓዛ ረድኤት ንኽኣቱ ዘኽእል ውሳነ ንምሕላፍ ኣመሪካ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ዘለዋ መሰል ድምጺ ብድምጺ ምስዓር ንኸይትጥቀም ንመዓልታት ዝርርብ ክካየድ ድሕሪ ምቕናዩ፡ ሎሚ ዓርቢ ድማ ዳግም ክፍተን`ዩ፡ ። እቲ ንድፈ ውሳነ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብተን ናይ ረድኤት መካይን ናይ ምቁጽጻር ስልጣን ክህልዎን ህጹጽ ምቁራጽ ተኹሲ ክግበርን ስለ ዝጽውዕ፡ እስራኤል ኣንጻሩ`ያ። ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ግሪንፊልድ ነዚ ዳሕራዋል ትሕዝቶ ንድፊ ትድግፎ ምዃና ኣመልኪታ`ላ።

"ናብቶም ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ዘእቱ ንድፈ-ውሳነ`ዩ። ብቐንዱ፡ ግብጺ ንሰብኣዊ ሓገዝ ድጋፍ ዝገብር መካኒዝም ክተቐምጥ ሓላፍነት ዘሸክም ውሳነ`ዩ ።”

እስራኤል ኣጋር ወተሃደራዊ ስርሒታ ኣብ ዝቐጸለትሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ባይደን ንምቁራጽ ተኹሲ ብምዘይምጽውዑ፡ ዝምድናታት ይጎድእ ኣሎ። ኣመሪካውያን ማሕበረ-ሰብ ኣመንቲ እስልምና “ኣባንደን ባይደን” ንባይደን ርሓቕዎ ዝብል ጎስጓስ ኣበጊሶም ኣለዉ።

ጃይላኒ ሑሴን፡ ካብ ወደብቲ'ቲ ጎስጓስ`ዩ:“ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2024 ተሳዒሩ እናበልና ኢና ንእውጅ ዘለና። ከም ኣመሪካውያን ኣመንቲ እስልምና፡ ሓይሊ ዘይብልና ኣይኮናን።ሓያላት ውዳበ ኢና። ገንዘብ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ምርጫ ዘድምዕ ድምጺ `ውን ኣለና።"

ካብ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ፡ ጆን ከርቢ ፡ነቲ ቁጥዐ ከም ዝርዳእ ገሊጹ`ሎ።

“ ካብ ኩሉ ኩርዓት ዝመጽእ ዘሎ ኣተሓሳስባት ጽን ኢልና ንሰምዖ ኢና፡ ክንርድኦ `ውን ንፍትን ኣለና። ከምኡ ኮይኑ ግን ዝኾነት ሃገር ከምዚ ሓማስ ንእስራኤል ኮይንዋ ዘሎ ዓይነት ስግኣት ሒዛ ክትነብር ኣይትኽእልን`ያ። ሓንቲ ሃገር ኣብ ጎረቤታ ከምኡ ዓይነት ስግኣት ሒዛ ክንትነብር ኣይግባእን።”

በመሰረት ኒው ዮርክ ታይምስ ዝኣከቦ ርእይቶታት መብዛሕቲኦም ኣመሪካውያን ብፍላይ ድማ መንእሰያት ኣድመጽቲ፡ ፕረዚደንት ባይደን ንዝኽተሎ ዘሎ ኣተሓሕዛ `ቲ ኲናት ኣይተቐበልዎን።

ኣሮን ደቪድ ሚለር፡ላዕላዋይ ተመራማሪ ኣብ ንኣህጉራዊ ሰላም `ዩ።“ እቲ ዝተኣከበ ርእይቶ ዘሰንብድ `ዩ።እዚ ድማ ኣመሪካውያን ኣዕራብ፡ ኣብ ደምበ ገስገስቲ ዘለዉ ኣድመጽቲ፡ ከምኡ`ውን ጸለምትን ካልኦት ሕብሪን እዮም። ኩሎም እዚኦም ኣብ ኣተሓሕዛ`ቲ ኲናት ንባይደን ዝቃወሙ`ዮም። እዚ ድማ ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዋጋ ዘኽፍሎ`ዩ። ስለዚ እዚ ምምሕዳር ንቓዛ ከዝሕሎ ዘለዎ ይመስለኒ። ኣብ ክንድኡ ኣብ ዳግመ-ህንጸት፡ ሰብኣዊ ሓገዝን ካልእን ከተኩር ዘለዎ ይመስለኒ።"

እቲ ዝተኣከበ ርእይቶታት ፡ ሪፓብሊካን ሕጹይ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣተሓሕዛ ቓዛ ዝሓሸ ክገብር ከም ዝኽእል የርኢ`ሎ።

ኣመሪካውያን ኣብ መንጎ ምቁራጽ ተኹሲ ይገበር ዝብሉን እስራኤል ነቲ ኲናት ክትስዕሮ ዝድግፉን ተኸፋፊሎም ኣለዉ። እዚ ድማ ንፕረዚደንት ባይደን ካብ ክልቲኦም ወገናት ፖለቲካዊ ጸቕጢ ፈጢርሉ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG