ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ባይደን ቅድሚ ምጅማር ሓድሽ ምምሕዳር ኣመሪካ ወታሃደራዊ ሓገዝ ንዩክሬን ንምውሳኽ ይዳለው


ፕረዚደንት ባይደን - ፋይል
ፕረዚደንት ባይደን - ፋይል

ፕረዚደንት ጆ ባይደን እቲ ኣመሪካ ንሓይሊ ምክልኻል ኪየቭ ትህቦ ደገፍ በቲ ሓዱሽ ምምሕዳር ኣብ ሕቶ ቅድሚ ምእታዉ ተወሳኺ ብቢልዮናት ዶላር ዝቑጸር ወተሃደራዊ ሓገዝ ንምሃብ ይጓየዩ ኣለዉ።

ሩስያን ዩክሬንን ካልኦት ዓለምለኻዊ መሻርክተንን ኣብዚ ንዳርጋ ሰለስተ ዓመታት ዝጸንሐ ኲናት ምስ ምምፃእ ትራምፕ ኣብ ፖሊሲ ኣመሪካ ከስዕቦ ንዝኽእል ዝኾነ ዓይነት ለውጢ ኣብ ዝበለፀ ደረጃ ኮይነን ንምርካብ ይዳለዋ ኣለዋ። እቶም ምሩጽ ፕረዚደንት ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ሩስያን ዩክሬይንን ቅልጡፍ ምቁራፅ ተኵሲ ክፍፅማን ብፍላይ ድማ ዩክሬን ኣብ እዋን ምምሕዳሮም ንውሑድ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትዳሎ ክገልፁ ተሰሚዕም እዮም።

ይኹን’ምበር ሓደ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዩክሬን ከምዝበሎ ግን ሓይሊታቱ ምውጋኦም ክቕፅሉ ምዃኖምን ሓገዛት ዘይረኽቡ እንተኾይኖም ግን ክጠፍኡ ከምዝኽእሉ ገሊፁ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG