ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኮሶቮ መንሽሮ ግዕዝይና የጋጥሞ’ሎ ተባሂሉ


ምኽትል ፕሬዝዳንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ሃገራት ባልካን ፈላምይ ዑደቶም ይፍፅሙ ኣብዘለውሉ መንግስቲ ኮሶቮ ናይ ግዕዝይና መንሽሮ የጋጥሞ’ሎ ክብሉ ኣጠንቂዖም።

ኣመሪካ ህዝቢ ኮሶቮ ዝበልፀገ፣ሰላማውን ብዙሕ ዓሌታት ወይ ብሄረሰባት ዝሓቖፈ ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ንምህናፅ ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ ኣመሪካ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኮሶቮ ከምዘሎ ንምርግጋፅ እየ ኣብዚ ተረኺበ ዘለኹ ኢሎም።

ንመሰረታዊ ቕርፂ ማሕበረሰብ ዝበልዕ ነቀርሳ ኢሎም ብምፅዋዕ ንሓደጋታት ግዕዝይና ኣጠንቂቖም ኣለው።

‘’ብሓፂሩ ናይ ኮሶቮ ተስፋ ንምዕዋት ንመፃኢ ዘለዋ ተስፋ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ ኢሎም ባይደን።

ኣብ በርሊን ዝመደብሩ ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ዝተብሃለ ትካል ኮሶቮ ብመዕቀኒ ኣረዳድኣ ግዕዝይና ካብ 168 ሃገራት ኣብ መበል 103 ሰሪዑዋ’ሎ።

XS
SM
MD
LG