ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ፡ ቁጽሪ ብህቦብላዊ ዝናብ ዝሞቱ ሰባት ናብ 113 ክብ ኢሉ


ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ግዝኣት ካሮላይና ዝወረደ ዕንወት ንምዕዛብ ፅባሕ ረቡዕ ናብቲ ኸባቢ ክበፅሑ መደብ ተታሒዙ'ሎ። ሰራሕተኛታት ህጹጽ ሓገዝ ዝተዓጸው ጎደናታት ኣብ ምፅራይ፣ ኣገልግሎታት ሓይሊ መብራህቲን ስልክን ናብ ንቡር ንምምላስን በቲ ህቦብላ መውፅኢ ዝሰኣኑ ሰባት ሓገዝ ንምብጻሕ ብቀጻሊ ይሰርሑ ኣለው።

ማይ፣ መግብን ካልኦት ኣገደስቲ ነገራትን ናብቲ ብጭቃን ዝተመልኡን ዝተዓጽዉ መገዲታትን ከባቢታትን ብነፈርቲ ክበፅሕ ይግበር ኣሎ። ቁጽሪ በቲ ህቦብላ ዝሞቱ ሰባት ናብ 133 ክብ ኢሉ'ሎ። ሰበ ስልጣን ሰራሕተኛታት ህጹጽ ሓገዝ ናብቲ በቲ ሓደጋ ተዓፅዮም ዝርከቡ ከባቢታት ምስ በፅሑ ቁፅሪ መወቲ ክውስኽ ከምዝኽእል ሻቕሎቶም ይገልጹ ኣለው። ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ'ውን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣለው። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ትንበያ ኩነታት ኣየር ነቲ ኣብ’ዚ ሰሙን ሓያል ህቦቡላ ኣትላንቲክ ክኸውን’ዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ ትሮፒካላዊ ህቦቡላ ኪርክ ብቐረባ ይከታተልዎ ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG