ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ንቀ/ሚ ኢጣልያ ጆርጅያ መሎኒ ተቐቢሎም፣ ኣዘራሪቦም


ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቀዳመይቲ ሚንስትር ኢጣልያ ኮይነን ኣብ ዝተመርፃሉ ምምሕዳሮም ብጥርጣረ ንዝረኣየን ኣባል ርሑቅ የማናይ ክፍሊ ዓቃባውያን ዝኾና ጆርጂያ መሎኒ ኣተኣናጊዶም። ኢጣልያ ንዩክሬን ትገብሮ ብዘላ ቀፃሊ ደገፍ'ውን ኣመስጊኖመን።

እተን ቀዳመይቲ ሚንስትር ኣብ ዝኽተልኦ ስነ ሓሳብ ስግኣታት ዝነበሮ ምምሕዳር ባይደን፤ ኣብ ንዩክሬን ንዘርአየኦ ደገፍን ኣብ ተሳትፎ ተበግሶ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ቅናት ምድሪን መንገድታትን ቻይና ካብ ዝነበራ ተሳትፎ ክትስሕብ ምኽኣላን ነቲ ስግኣት ዝቐንጠጠ ይመስል። እዚ ናይ ሎሚ ዑደት ድማ ነቲ ኣብ ዝመፅእ ዓመት ኢጣልያ ፕረዚደንት ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ጉጅለ ሃገራት ሸውዓተ ንምዃን ትዳለወሉ ኣብ ዘላትሉ እዋን ዝካየድ ዘሎ'ዩ።

ፕረዚደንት ባይደን ምስ ቀዳመይቲ ሚንስትር ኢጣልያ ኣብ ዝተራኽብሉ እዋን “ኢጣልያን ኣመሪካን ኣብ ጎኒ ዩክሬን ብፅንዓት ጠጠው ኢለን እየን ከምኡ'ውን ኣንፃር ግፍዕታት ሩስያ ንዘርኣይኦ ፅንዓት ከመስግንን ይፈቱ” ኢሎም። ከምኡ'ውን ባይደን ህዝቢ ኢጣልያ ንዓኣንን ንዩክሬን ብምድጋፎም ኣመስጊኖም “ዓብዪ ለውጢ ዘምፅእ እዩ” እውን ኢሎም።

ቀዳመይቲ ሚንስትር ኮይነን ንፈለማ እዋን ኣብ ዋይት ሃዉስ ዑደት ዝፍፅማ ዘለዋ መሎኒ ኣብ ስልጣን ዘሎ “ፖለቲካዊ ሕብሪ ብዘየገድስ” ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ደልዲሉ ክቕፅል ከምዘለዎ ተዛሪበን። ከምኡ'ውን ባይደን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ንዝፈፀመቶ ወራር ዝሃብዎ ምላሽ “ምዕራባውያን ሃገራት ነንሕድሕደን ክደጋገፋ ከምዘለወን” ዘርኣየ ክብላ ናእደአን ገሊፀን።

ከም ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ዋይት ሃውስ ቀንዲ ዘተ መራሕቲ ክልቲኣን ሃገራት ብቀንዱ ኣብ ጉዳይ ዩክሬን ቻይናን ከምኡ'ውን ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ደቡባዊ ገማግም ኣውሮጳ ዝግበር ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘተኮረ ክኸውን ከምዝኽእል ይሕብሩ።

ሓበሬታ ዋይት ሃዉስ ከምዝብሎ መሎኒ ሓንቲ ካብቶም ብድምፂ ደገፎም ዝህቡ ንሉኣላዊነት ዩክሬን ዝጣበቁ ከምዝነበራን ሃገረን'ውን ካብ ኲናት ንዝሃደሙ 170-ሽሕ ዩክሬናውያን ከምዘዕቆበትን ይሕብር።

መሎኒ ሻምፕዮን ዝሓየለ ኔቶ እውን ኮይና ፀኒሓ እያ። ነቲ ስግረ-ኣትላንቲክ ምሕዝነት ከም ቀንዲ መበገሲ ናይቲ ብባህሊ ድልዱል ዝምድናታት ኣመሪካን ኢጣልያን ትርእዮ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG