ሰንበት ብሃንደበት ካብ ፕረዚደንታዊ ውድድር ምስሓቡ ዝገለጸ ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት-ሃውስን ዓንኬላት ሰልፊ ደሞክራሲያውያንን ዝተሓዋወሰ ስምዒትን ዘይምርግጋእን ፈጢሩ ኣሎ። እቲ ዝቕጽል ሕቶ ድማ ድሕሪኡ መጻኢ ባይደን እንታይ’ዩ ክኸውን ዝብል’ዩ።
ድሕሪ ሃንደበታዊ ውሳነ ፕረዚደንት ባይደን፡ ፖለቲካ ኣመሪካን ፕረዚደንታዊ ውድድርን ከመይ’ዩ ክመስል ዝብል ሕቶ ኣብ ብዙሓት ዘሎ’ዩ። ሰኑይ ብዙሓት ሰባት ነናቶም ርእይቶ ነይሩዎም።
ቅድሚኡ ግን ነቲ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ክንድኡ ኰይና ኣብቲ ውድድር ክትቅጽል ዝሓረያ ምኽትሉ ካማላ ሃሪስ ፈላሚ ህዝባዊ ርክብ ኣካዪዳ። ሃሪስ ትማሊ ሰኑይ ንኣትለታት’ያ ኣብ ዋይት-ሃውስ ዓዲማ ተዛሪባ።
ሃሪስ ኣብ መደረኣ፡ ነቲ ካብ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣብ ናይ ዴላወር መንበሪ ገዛኡ ተወሺቡ ዘሎ ፕረዚደንት ባይደን ቅልጡፍ ሕውየት ተመንያ።
“ኣበርክቶን ስራሕን ፕረዚደንት ባይደን ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ኣመሪካ መዳርግቲ-ኣልቦ’ዩ። ኣብ ሓደ እብረ ስልጣን ነቶም ክልተ እዋን ዘገልገሉ ፕረዚደንታት ሓሊፉዎም’ዩ።”
ርፓብሊካውያን ግን ምስ’ዚ ሓሳብ ኣይሰማምዑን። ካብ መንጎኦም ኣፈ-ጉባኤ ማይክ ጆንሶን’ዩ። “ኵሉ ሰብ ኣብዚ ፕረዚደንታዊ ውድድር ንክቕጽል ብቕዓት የብሉን ኢሉ እንተኣሚኑ፡ ብርግጽ ድማ ሃገር ከማሓድር ኣይክእልን’ዩ።”
ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ግን ንካማላ ሃሪስ ዘለዎም ድጋፍ ካብ ምግላጽ ኣይተዓግቱን። ካብ ክፍለ-ሃገር ካሊፎርኒያ ዝተወከለ ኣዳም ሺፍ ሓደ ካብቶም ድጋፉ ዝገለጸ’ዩ።
"ንዶናልድ ትራምፕ ክትስዕሮ ምዃና ምሉእ ምትእምማን ኣሎኒ። ኣብ ሓጺር እዋን ንምድጋፋ ዝግበር ዘሎ ምትእኽኻብ ክርኢ ከለኹ ከኣ ደስ ይብለኒ።”
ብዙሓት ዝሓቱዎ ዘለዉ ሕቶ ብሕጂ እንታይ’ዩ ክስዕብ ዝብል’ዩ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ጆርጅ ዋሺንግተን ዝምህር ፔተር ሎጅ፡ ኣብ ከምዚ ዝመስል ናይ መሰጋገሪ እዋን፡ ብተንተንቲ ዝቐርብ ግምታት ብዙሕ እዋን ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ምዃኑ ይዛረብ። እንታይ ክስዕብ ከም ዝኽእል ንምግምጋም ድማ ምስ ግዜ ቀስ ኢሉ ክርእዮ ከም ዝመርጽ ይዛረብ።
በዚ ሃንደበታዊ ውሳነ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣመሪካ ፖለቲካዊ ሕንፍሽፍሽን ቅልውላውን ክስዕብ’ዩ ዝብል ግን ተመራመርቲ ታሪኽ ኣይሰማምዑሉን።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ቫንደርቢልት ዝምህር ቶማስ ሽዋርዝ ከም ኣብነት ብዛዕባ’ዚ ክገልጽ እንከሎ፤ “ዋይት-ሃውስ ካብ ፕረዚደንት ዝዓቢ ማሺን’ዩ። ስለዚ ባይደን ኣብቲ ዓቢ ቤት ዝጎርበበት ደርሆ-ማይ ክመስል ይኽእል’ዩ። ቅድሚ ሎሚ ከምኡ ዓይነት ፕረዚደንታት ነይሮም’ዮም። እዚ ግን ንዝዀነ ሓደጋ ቦታ ዝኸፍት ኣይኰነን።”
እዚ ኣጋጣሚ’ውን ነቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከም ዘቕልሎን ናይ ስራሕ ምክፍፋል ከም ዝፈጥርን’ዩ ኣብ ትካል መጽናዕቲ ብሩኪንግ ዝሰርሕ ዊልያም ጋልስቶን ይኣምን። ባይደን ከም ፕረዚደንት ካማላ ድማ ተወዳዳሪት ስለ እትኸውን እዚ ነቲ ክፍጠር ዝኽእል ናይ ስራሕ ምድርራባት ክቕልሎ ዝኽእል’ዩ ይብል ጋልስቶን።
እዚ ሕቶ’ዚ ከኣ ናብቲ ዳርጋ ኵሉ ኣመሪካዊ መራጺ ዝሓቶ ዘሎ ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት መን’ዩ ንስልጣን ክሕዝ ዝብል ሕቶ ይወስደና።
ቅጥዒ