ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ባይደን ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2024 ከምዘይወዳደሩ ኣፍሊጦም


ፋይል
ፋይል

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሎሚ ሰንበት ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣቐዲሙ ትዊተር ዝፍለጥ ኣብ ዘውጽእዎ መልእኽቲ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2024 ከምዘይሳተፉ ኣፍሊጦም። ንሶም ነዚ ዝበሉ ገለ ኣባላት ፓርቲኦም ምስቲ ምስ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝካየድ ውድድር ምርጫ ንዘለዎም ብቕዓት ብዝምልከት እምነት ከምዘይብሎም ድሕሪ ምግላጾም’ዩ።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ክሳብ መወዳእታ ናይ መዝነት ጊዚኦም ኣብ መሪሕነት ከምዝጸንሑ ሓቢሮም ኣለው።

ንሶም ብተወሳኺ፡ ድጋፎም ንምኽትሎም ኰይነን ዘገልግላ ካማላ ሃሪስ ከም ዝኾነ ገጾም ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG