ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባይደን ናይ 37 እሱራት ፍርዲ ሞት ናብ ዕድመ ማእሰርቲ ኣስጊሩ


ፕረዚደንት ባይደን- ፋይል
ፕረዚደንት ባይደን- ፋይል

ፕረዚደንት ባይደን ሎሚ ሰኑይ 23 ታሕሳስ 2024 ካብ 40 ናይ ሞት ፍርዲ ተፈርድዎም ዝጸንሑ እሱራት ን37 ፍርዶም ናይ ናይ ዕድመ ማእሰርቲ ከም ዘመሓየሸሎም ተገሊጹ። ንሶም ነዚ ስጉምቲ ዝወሰዱ ኣብ ቀዳማይ ምምሕዳር ትራምፕ ብዝሒ ዘለዎም ናይ ሞት ፍርዲ ምፍጻሞም ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝኾነ ተሓቢሩ’ሎ።

ፕረ. ባይደን ካብ ናይ ሞት ፍርዲ ዝተበየነሎም ሰባት ነቲ ፍርዲ ናብ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ብዘይ ኣመኵሮ ክልወጥ ዝቐረበሎም ጻውዒት ነቲ ምሕረት ምግባሮም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ፕረዚደንት ባይደን እዚ ምምሕያሽ ነቶም ብክሲ ብግብረሽበራን ብጽልኢ ቅትለት ዝፈጸሙ እሞ ናይ ሞት ፍርዲ ዝተበየነሎም ከምዘይሕውስ ሓቢሮም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG