ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ባይደን ንኣስታት 1,500 ፍርዲ ናይ ማእሰርቲ ጊዜ ነክዮም፡  ን39 ሰባት ድማ ምሕረት ሂቦም


ፕረ ባይደን - ፋይል
ፕረ ባይደን - ፋይል

ፕረዚደንት ባይደን ነቶም ኣብ እዋን ለበዳ ኮረና ቫይረስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኦም ኣብ ገዛውቶም ዝተቐየዱ ኣስታት 1,500 ሰባት ናይ ማእሰርቲ ጊዜኦም ብምንካይ ነቶም ዓመፅ ዘይተሓወሶ ገበናት ዝተፈረዱ 39 ኣመሪካውያን ድማ ምሕረት ሂቦም።

ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ከም ዝገለፆ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተውሃበ ምሕረት እዩ ኢሎ። እቲ ምሕረት ነቲ ብገበናት ብረትን ቀረፅ እተኸሰሰ ወዶም ሃንተር ይቕረታ ምግባሮም ስዒቡ ዝተወሃበ'ዩ።

ፕረ. ባይደን ምምሕዳር ትራምፕ ስልጣን ኣብ ወርሒ ጥሪ ቅድሚ ምርካቡ ንሰባት ብብዝሒ ምሕረት ክህቡ ካብ ተሓለቕቲ ጉጅለታት ድፍኢት ይመፆም ኣሎ።

ነቶም ንዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2020 ወፅኢት ምርጫ ንምግልባጥ ዝገበርዎ ፃዕሪ ዝመርመሩ ስልጣን ምስ ሓዙ ሕነ ክፍደዮ ይኽእሉ'ዮም ዝተባህሉ ሰባት እውን ምሕረት ክግብሩሎም እንተኾይኖም እውን ባይደን ይሓስቡሉ ከምዘለው ተሓቢሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG