ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ባይደን ደቀባት ማሕበረሰባት ኣመሪካ ሓገዝ ገንዘብ ፈደራል መንግስቲ ክረኽቡ ከምዝገብሩ ይሕብሩ


ፕረ. ባይደን ደቀባት ማሕበረሰባት ኣመሪካ ሓገዝ ገንዘብ ፈደራል መንግስቲ ክረኽቡ ከምዝገብሩ ይሕብሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:25 0:00

ፕረ. ባይደን ደቀባት ማሕበረሰባት ኣመሪካ ሓገዝ ገንዘብ ፈደራል መንግስቲ ክረኽቡ ከምዝገብሩ ይሕብሩ

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምምሕዳሮም ኣብ ኣመሪካ ንዝርከቡ ንልዕሊ 570 ደቀባት ማሕበረሰባት "ሓዱሽን ዝሓሸን ናይ ታሪኽ ምዕራፍ’’ ንምፅሓፍ ድልው ምህላው ትማሊ ረቡዕ 6 ታሕሳስ 2023 ሓቢሮም። ሓደ ካብቶም ዝስርሑ ስርሓት ድማ ሓገዝ ገንዘብ ፌደራል ብቐሊሉ ክረኽቡ ምግባር እዩ።

ፕረዚደንት ባይደን ደቀባት ኣመሪካ ብዙሕ ስቅያት ከምዘሕለፉን ፈደራል መንግስቲ ክሰርሖም ዝግብኦም ስራሕ ከምዘሎን ኣይከሓዱን።

"ንዝሓለፈ ጌጋታት ንምዕራይ መገዲ ምቕያርን ንቕድሚት ምስጓምን ከቢድ ስራሕ የድልይ'ዩ። ሎሚ ንወስዶም ዘለና ስጉምትታት ግን ናብቲ ሓዱሽ መዋእል ልኡላውነትን ርእሰ-ምሕደራ ደቀባትን ቀንዲ ስጉምትታት እዮም። እቲ ሓድሽ መዋእል ኣብ ክብርን ኣኽብሮትን ዝተመስረተ ኣብቲ እትደልዮ መሰረታዊ መሰላትን ርእስኻ ናይ ምምሕዳርን መትከላት ዝተሞርከሰ እዩ። እዚ ዋዕላ እዚ ብዛዕባ እዚ ዝምልከት እዩ።"

ኣብ መሬት ኣቦሓጎታት ህዝብታት ናካች-ታንክ ትማሊ ረቡዕ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ባይደን ልዕሊ 300 መራሕቲ ነገዳት'ቲ ማሕበረሰብ ኣብ ዝተሳተፍሉ ዋዕላ ልዕሊ190 ስምምዓት ወግዓዊ ገይሮም ኣለው።

ናይ ፈደራል መንግስቲ ገንዘብ ብቐሊሉ ዝረኽብሉ ፈፃሚ ትእዛዝ ሓዊሱ ምፅራይ ቦታታት ኑክሌር፣ ናብ ፅሩይ ፀዓታት ንምስግጋርን ፍርስራስ ቅርሲ ደቀባትን ቅዱስ ኣቑሑትንን ናብ ዓዶም ንምምላስ ዝግበሩ ፃዕርታት ዘጠቓለለ እዩ።

ካብቶም ዓበይቲ ጉጅለታት ደቀባት ዓሌት ሓደ ዝኾነ መራሒ ቸሮኪ ቻክ ሆስኪን ፃዕርታት መንግስቲ "ኣዝዩ ፣ ኣዝዩ ኣወንታዊ’’ ኮይኑ እዩ ፀኒሑ ክብል ብምግላፅ ተወሳኺ ክሪኢ ድማ ተስፋ ኣለዎ።

"ንዓሌት ቸሮኪ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ንኩሎም ነገዳት እውን ክኸውን እዩ ኢለ እየ ዝኣምን ፅፉፍ ምምዳብ ፀጋታትን እቶም ነገዳት ነዞም ፀጋታት ክጥቀሙሎም ምፍቃድን እዩ" ይብሉ።

ንሱ ወሲኹ ነገር ግን ህዝቡ ምምንጣል መሬትን ግጭት ናይ ጥንቲ ታሪኽ ዘይምዃኖም ብዝግባእ ይፈልጥ እዩ ኢሉ።

"ካብ መሬትና ዝተሰጎግናሉ ታሪኽ ኣለና። ስለዝኾነ እዚ እየ ክብል። ንሰባት ከዘኻኽሮም፤ መሰላት ንምምዝዛን መገዲ ኣሎ። ኣብ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ደቀባት ሃገረ ህንዲን እቲ ዝተረፈ ሃገርን ክንፍትኖ ዝፀናሕና ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ። ፍፁም ስራሕ ኣይሰራሕናን ግን ገለ ምዕባለታት ነምፅእ ኣለና። ነፍስ ወከፍ ሰብ ኣኽብሮትን ክብርን ከም ዝግብኦ ክፍለጥ ኣለዎ።"

መናእሰይ ነገዳት ዝለዓለ ትፅቢት ከምዝገብሩ ይገልፁ። ሳረያ ተይለር ገጣሚትን ኣባል ማሕበረሰባት ዋይት ማውንቴን ኣፓቸን ናቫጆን እያ።

"ኣብ 2020 ንባይደን ሰሚዐዮ'የ። ብዙሕ ክስራሕ ዝኽእል ከምዘሎ እምነተይ እዩ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ መዳያት ኩነታት ኣየርን ንናይ መግቢ ልኡላነት ዘለና ኣረኣእያን።"

ተይለር ብግጥምታታ ኣቢላ ምግላፅ ናይዚ ወለዶ ጭንቅን በሰላን ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝባ ዝነበሮ ስነ-ጥበባዊ ስራሕትን ተፃዋርነትን ንምዝኽኻር ካብ ርእሳ ክሳብ ጽፍሪ እግራ ብምሽፋን ከም እትሰርሕ እውን ትገልፅ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG